29/10/2026
ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር !
ኣቦ መንበር ባይቶ ሽወደን ኣንድርያስ ኖርለን (Andreas Norlén)፡ ኣብ ሓሙስ (Andreas Norlén) ፡ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መራሒት ሰልፊ ማእከል (Centerpartiet) ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት (Elisabeth Thand Ringqvist) ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ባይቶ ንድምጺ ክትቀርብ ምዃና ኣፍሊጡ።
ኣንድርያስ ኖርለን ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብቲ ዝካየድ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ድምጺ ምሃብ፡ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ከም ሕጽይቲ ክትቀርብ ወሲነ ኣለኹ።" ክብል ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ መንግስቲ ንምምስራት ዘሎ ዕድል ክትድህስስ ሓላፍነት ዝተዋህባ መራሒት ሰልፊ Centerpartiet ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ ነቲ ዝተዋህባ ሓልፍነት ከም ዘይሰለጣ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሕጂ ባዕላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ንኽትከዉን ብኣፈጉባኤ Andreas Norlén ተሓጽያ ኣላ።
ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብ ማእከል ዝተመስረተ መንግስቲ (Mittenregering) ንምቛም ኣብ ባይቶ እኹል ደገፍ ከምዘየለ ኣፍሊጣ ነይራ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ፡ ኣቦ መንበር ባይቶ ብዛዕባ መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ሓድሽ መግለጺ ኣይሃበን ጸኒሑ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፡ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። ኣንድርያስ ኖርለን ኣብ መግለጺኡ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ፦
"ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘሎ ጸቕጢ በብቑሩብ ንምውሳኽ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ ሰልፍታት ምንቅስቓስን ምቅርራብን ቅድሚ ምፍጣሩ፡ ገለ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ድምጺ ምሃብ መስርሓት ክፈሽሉ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ከም ሕጽይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይና ኣብ ባይቶ ንድምጺ ክትቀርብ ወሲነ ኣለኹ።"ክብል ተዛሪቡ። ኤሊሳቤት እንተዘይተመሪጻ፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ዕድል ክወሃቦ እዩ።
እቲ ኣብ ባይቶ ንኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ንምምራጽ ዝካየድ ድምጺ ምሃብ እንተፈሺሉ፡ መራሒ ሰልፊ ሞደራተርና (Moderaterna) ኡልፍ ክሪስተርሶን (Ulf Kristersson) መንግስቲ ንምምስራት ዘሎ ዕድል ክድህስስ ሓላፍነት ክወሃቦ እዩ።
ኣንድርያስ ኖርለን ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ፦
"ኡልፍ ክሪስተርሶን መንግስቲ ንምምስራት ዘሎ ዕድል ክድህስስ ሓላፍነት ክወሃቦ ኣለዎ ኢሎም ንዝገለጹ ወገናት እውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ ሕጂ ጀሚረ ክሕብር ክብል፡ እዚ ፈተነ እንተፈሺሉ ኣብ መጻኢ ንሽወደን ነዘን ዝሓለፋ 4 ዓመታት ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኮይኑ ዝመርሓ፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን መንግስቲ ናይ ምምስራት ሓላፍነት ክህቦ ሙዃኑ ኣፍሊጡ።
ዝመጽእ ሰሉስ 3 ሕዳር 2026 ዝካየድ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ድምጺ ምሃብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ንምምራጽ ኤሊሳቤት እንተዘይተዓዊታ፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ባይቶ ሽወደን ክቕበሎ ዝኽእል መንግስቲ ንምምስራት ዘሎ ተኽእሎ ክድህስስ ሓላፍነት ክዋሃቦ እየ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እታ ብተደጋጋሚ ፈተነታት ናይ ቀዳምይቲ ምኒስተር ምዃን ዝፈሸላ ማግዳለና ኣንደርሶን፡ ነዚ ዉሳነ ናይ ኣፈጉባኤ ብትሪ ተቛዊማቶ ኣላ። ንዛ ከምዚ ክትብል ትምጉት፤
ኣቦ መንበር ባይቶ ሽወደን (Talmannen) ሎሚ፡ መራሒት ሰልፊ ማእከል (Centerpartiet) ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት (Elisabeth Thand Ringqvist) ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ባይቶ ሽወደን (Riksdagen) ንድምጺ ከቕርባ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ባዕላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንምዃን ዘሎ ዕድል ከይደህሰሰት፡ ከምኡ እውን ሓያሎ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክሳተፉሉ ዘይደልዩ ናይ መንግስቲ ምትሕብባር መሰረት እናሃለወ፡ ኣቦ መንበር ባይቶ ንዓኣ ንድምጺ ከቕርባ ምውሳኑ ዘገርም እዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ዝያዳ ርትዓዊ ዝነበረ፡ መራሒ ሰልፊ ሞደራተርና (Moderaterna) ኡልፍ ክሪስተርሶን (Ulf Kristersson) ፡ ብናይ የማን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝድገፍ መንግስቲ ንምምስራት ዘሎ ዕድል ክድህስስ ሓላፍነት ምሃብ ዝሓሸ ምርጫ ነይሩ። ሕጂ ዘድሊ ዘሎ፡ ኩሎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብሓባር ሓላፍነት ክወስዱን፡ ንምምስራት መንግስቲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ጽኑዓት መርገጺታትን ፖለቲካዊ ፍልልያትን ክንክዩን እዩ። ክትብል ተቛዉሞኣ ገሊጻ ኣላ።
ነዚ ኣርእስቲ ዝምልከት ምዕባለታት እንተኸታተልኩ ከስዕበሉም እየ።ሰላም ወሰናይ !
ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
29 ጥቅምቲ 2026