14/09/2026
መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ኣብ ዝሓዝናዮ ሓዱሽ ዓመት ዘላ ፀባብ ዕድል ሰላም ፀንቂቕኻ ናይ ምጥቃም ዓመት ክትኸውን ምትስፋው ሓደ ሰናይ ነገር ኾይኑ፡ ሐዚ እውን ኩሎም ተዋሳእቲ ሓይልታት ንኲናት ካብ ዝፅውዕ ህቀናን ምንቅስቓስን ተቖጢቦም ንሰላም ሓያሎ ፃዕሪ ክዓሙ ኣብ ዝግባኦም ሰዓት ኣጋ ግዘ ከምዝርከቡ ክርድኡ ይግባእ እውን ንብል።
ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ኣፈላላይ ሐዚ ውን ካብ ብረት ወፃኢ ብሰላማዊ መንገዲ ዝውደአሉ ዕድላት ከም ዘለው ዝኣምን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሰበ ህወሓት ይኹን ኻልኦት ኹሎም ሓይልታት ትግራይ ሐዚ እውን ንብሄራዊ ዘተ ድልዋት ክኾኑ እናተላበወ፡ ሐዚ እውን ረብሓ ይኹን ጠለባት ትግራይ ዝረጋገፁ ንዓቕምታት ትግራይ ዝእክብ ሓዱሽን ብርቱዕን ብሄራዊ መንግስቲ ምምስራት ምዃኑ ይኣምን።
ምስ ስርዓት ኢትዮጵያ ዘሎ ኲነታት ኲናት፡ ብሰላም ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሰላማዊ ስጉምቱታት ክውሰዱን ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንትኡ ከሐይል፡ ዝከኣሎ ኹሉ ከም ዝገብር ቃሉ ዘሐድስ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ብቃላትን ብብረትን ዝተጀማመረ ኲናት ይኹን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ዕላማታት ይፍፀሙ ዘለው ገበን ደብዳባት ብህፁፅ ደው ክብሉ ድማ ይፅውዕ።
ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
04 መስከረም 2019
ትግራይ፡ መቐለ