15/09/2026
ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ዕንወት ዘብፅሑ ኣካላት ዘየላጢ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም ምኽትል ፕሬዝዳንት ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡
ኣይተ ኣማኑኤል ነዚ ዝበሉ፡ ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ምስ ካብ 4 ዞባታት ትግራይ ዝተውፃፅኡ ኣካላት ፀጥታን መዳርግትን ኣብ ምክልኻል ዕንወት መሰረተ ልምዓት ትግራይ ኣድሂቡ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ተረኺቦም እዩ።
ኣይተ ኣማኑኤል ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩለ መዳይ ፀገምን ተኸታተልቲ ደብዳባት ድሮንን ኣየርን ከይኣክል ኣብ ውሽጥና ኾይኖም ህዝቢ ዝግልገለሎም መሰረተ ልምዓት ብምዕናው ፀገም ትግራይ ዘጋድዱ ተግባራት ዝፍፀሙ ውልቀ ሰባት ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኢሎም ኣይተ ኣማኑኤል ኣዋጅ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ 366/2018 ተግባራዊ ብምግባር ነዚ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፍፅሙ ኣካላት ዘየላጢ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣብቲ መድረኽ ኣብ መሰረተ ልምዓታት ቴሌኮም፣ ማይ፣ መብራህትን ካልኦትን ናይ ዝበፅሐ ዕንወታት ፀብፃብ ዝቐረበ ኮይኑ ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ከተማታት ከተማ መቐለ፣ ዓድግራትን ኣላማጣን ብቕደም ሰዓብ ዝለዓለ ናይ ቴሌኮም ዕንወት ዝተመዝገበለን ከተማታት ምዃነን ተሓቢሩ።
ብብርኪ ዞባ ድማ ዞባ ማእኸልን ደቡብ ምብራቕን ዝልዓለ ዕንወት መስመራት ቴሌኮም ዝተረኣየለን ከም ዝኾና ተገሊፁ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ኣብ ቴሌኮም ዝበፅሐ ዕንወት ብብር እንትግመት ልዕሊ 8 ሚልዮን ብር ከም ዝኾነ ተመላኺቱ።
ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት መብራህቲ፣ ማይ፣ ቴሌኮም ሳፋሪኮምን ካልኦትን ዘጋጥሙ ዘለዉ ዕንወታት ንምትራፍ ተሓታትነት ሕጊ ክረጋገፅ እዩ ተባሂሉ።
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ብምትሕብባር ትልሚ ተነፂሩ ንቐፃሊ ብዝበለፀ ክስርሐሉ ፃዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ድማ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ተወልደብርሃን ተስፋኣለም ገሊፆም።
ፍልፍል ዜና:ኤፍኤም መቐለ 104.4