ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ/Debri Administration office

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ/Debri Administration office

ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ/Debri Administration office Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ/Debri Administration office, Government Organization, Mekelle.

22/06/2025

መተሓሳሰቢ ንኹሉኹም ገባራት ጣብያ ደብሪ
በብቑሸቱ መዳበርያ ክትወስዱ ዝተመልመልኹም ገባራት ካብ ናጋ ዕለት 16/10/2017ዓ.ም ጀሚሩ መፂእኹም ክፍሊት ናብ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ክትኸፍሉን ክትወስዱን ነተሓሳስብ።
ደብሪ ሕብረት ስራሕ ማሕበር

20/03/2025

አረ ልቢ እንግበር ገሊኡ ንከብዱ ገሊኡ ንዓዱ እኮ ኾይኑ ብፍላይ ኣብ ውራ መሬት ዘለኹም ሕፈሩ:: ኣብ ግዜ ዕግርግር ዝለመድኽምዎ ጀሚርኹም ኣለኹም ቀንዲ ፀላእቲ ህዝብና ምኻንኹም ፍለጡ ምስ ህዝብና ኾይንና ድማ ሕጊ ክነኽብር ኢና::

11/03/2025

ንኹልኻ ህዝቢ ጣብያ ደብሪ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ጣብያና እቶም ብኔትወርክን ብድሕረትን ማስተር ዘለዎም ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕቲ ንምዕንቃፍን ብሓይሊ ስልጣን ንምምንጣልን ተጀሚሩ ለሎ ኣብ ጣብያና ይኹን ክ/ከተማና ንከይፍፀም ኩልኻ ቆቃሕ ኾይንኻ በቢ ውዳበኻ ክትሕሉን ኣብ ጎኒ ምምሕዳር ኮይንኻ ትቃለስን ፃውዒት ነቕርብ::
ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ

10/02/2025

04/06/2017 ዓ/ም
Good News

እዚኣ ድማ ኣሕዋትና 1.ኣይተ ክንደየአን ፍፁም2.ኣይተ ግርማይ ኣብርሃ3.ኣይተ ካሕሳይ ፍፁም  ኣበርኪቶምልና ኣለው  ብስም ምምሕዳር ጣ/ደብርን ህዝብ ጣብያ ደብርን ነመስግን::
27/12/2024

እዚኣ ድማ ኣሕዋትና
1.ኣይተ ክንደየአን ፍፁም
2.ኣይተ ግርማይ ኣብርሃ
3.ኣይተ ካሕሳይ ፍፁም ኣበርኪቶምልና ኣለው
ብስም ምምሕዳር ጣ/ደብርን ህዝብ ጣብያ ደብርን ነመስግን::

ብኣያና ኣይተ ሙሉ ኣበራ /ኣሜሪካ/ ብምትሕብባር ኩሉኹም ፈተውትን ተወለድትን ጣብያ ደብሪ ዲይስፓራ ብስም ምምሕዳርን ህዝቢ ጣብያ ደብሪን ካብልቢ ነመስግን::  ብወኪሉ ኣቶ ጥበቡዘመናዊ ኮፒ ...
27/12/2024

ብኣያና ኣይተ ሙሉ ኣበራ /ኣሜሪካ/ ብምትሕብባር ኩሉኹም ፈተውትን ተወለድትን ጣብያ ደብሪ ዲይስፓራ ብስም ምምሕዳርን ህዝቢ ጣብያ ደብሪን ካብልቢ
ነመስግን::
ብወኪሉ ኣቶ ጥበቡ
ዘመናዊ ኮፒ ማሽን ንምምሕዳር ጣብያና ኣረኪቦምና

21/12/2024

ንኹልኻ ነባሪ ጣብያ ደብሪ ብወሳኒ ኹነት ዝስርሑ ስራሕቲ ብስሩዕ ኣብ ጣብያ ጀሚሩ ስለ ዘሎ ካብ 12/04/2017 ዓ/ም ጀሚርኹም ኣብ ጣብያኹም ክትግልገሉ ንሕብር::

17/12/2024

@መተሓሳሰቢ ንኹልኹም ህዝቢ ጣብያ ደብሪ ብፍላይ መናእሰይ@
🤜 ኣብዚ ኸዚ ስዓት ናይ ህዝቢ ደብሪ ሕቶታት ኣብ ዝፍትሐሉ እዋን እሂን ምሂን ኣብ ዘድልየሉ ግዜ ናይ መናእሰይ ሓድነት ጥንካረን ፀላዕላዕ ዝበሎም ኾነ ተባሂሉ ናይ ደገ ዕላማ ተሓንጊጦም ሓድነት ህዝቢ ንምዝራግን ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ ስርሑ ከይሰርሕን ምትእምማን ከይፍጠር ብምሕሳብ ናይ ሓሶት ኣካውንት facebook ኸፊቶም ኣብ ምድንጋርን ፀለመን ስለ ዝርከቡ ስራሕትኹም ብዝበለፀ ክትጥንክሩ የተሓሳስብ።
🤜ብዝኾነ መዐቀኒ ሕቶታት ህዝቢ ደብሪ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊን ኢኮኖምያዊ ቕልውላው ክልልና ብምግንዛብ ተቐራሪብኻን ተረዳዲእኻን ተዛቲኻን ዝፍታሕን ኣብ መሬት ወሪድኻ ብምሕጋዝን ብምስራሕን እምበይ ምፅሓፍ ስለ እንኽእል ጥራሕ ምስጢር ዓዲ ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምዝርጋፍ ፀገማትና ክፍትሑ እዬም ማለት ዘበት እዩ ማሕበራዊ ሚድያ ኣጠቓቕማ ተዘይኽኢልናዮ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ እዩ ዘመዝን ምኽንያቱ ዝምልከቶን ዘይምልከቶን ፈታውን ፀላእን ስለ ዝከታተሎ።ሓላይ ዝኾነ ኹሉ ብኣካል መፂኡ ይሓግዝ።
🤜ሕድሕድ ስራሕቲ ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ ብመልክዕ ፀብፃብ ናይ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ናብ ቤት ምኽርን ምስ ቐረበ ጠንካራን ደካማን ፈፀምቲ ይግምገም ዝስተኻኸል ይስተኻኸል እምበይ ናብ ሕድሕድ ሰብ ዝቐርብ ሪፖርት ከም ዘይኾነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዪ።ኣይተገልገልኹን ዝብል ኣካል ድማ ፊት ንፊት ጥርዓኑ የቕርብ።
🤜ጉዳይ መጠሻ መናእሰይን ኣፈታትሓ NDPን ብዝምልከት ናይቲ መምርሒ ኣፈፃፅማ ስነድ ተፈሪሙ ምስ መፀ ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ብግልፂ ምይይጥ ከም ዝግበርን ናብ ተግባር ከም ዝእቶን ብፍላይ ናይ መጠሻ ዘሀርስ ጉዳይ ከምዘይኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
🤜ከም ህዝቢ ክንረዳዳእ ተዘይኽኢልና ከም ህዝቢ ክንበታተን ምኻንና ፈሊጥና ንደብሪ ዓደይ ብቕንዕና ክሕግዝ እየ ዝብል እንተሃልዩ ክፍቲ ምኻኑ ፈሊጥና ዝኣተናዮ ስራሕ ዓቕምና ንዓድና ንህዝብናን ክንጥቀመሉን እዩ ምኽንያቱ እቲ ምሓውር በቲ ሒዝዎ ዘሎ ደረጃ ኣብ ዝኾነ ድርጅት ተቖፂሩ ኾነ ብናይ ውልቀ ስራሕቱ ዓቕሚ ክፈጥር ዝኽእል ኣመራርሓ ከም ዝኾነን ንጥቕሚ ኢሉ ከም ዘይኾነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ኣብ ጣብያ ምስራሕ ብዝኾነ መዐቀኒ ንውልቀ መጥቐሚ ክኸውን ስለ ዘይኽእል።
🤜ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ ምስ ጥርዓን ኮሚቴ ይኹን ምስ ናይ ቀደም ኣመራርሓ ኣሕዋትና ብዝኾነ መዐቀኒ ኣብ ጉዳይ ዓድና ኣፈላላይ የብልናን ኢለ ይኣምን ኣብ ኣከያይዳታት ፀገማት እንትህልዩ ናይ ምእራም ስራሕቲ ግና ናይ ምምሕዳር ምኻኑ ግና ፍሉጥ እዩ ምኽንያቱ ኹሉ ነገር ብጥበብን ብቕንዕናን ምኻድ ስለ ዘድሊ።
🤜ብዙይ ኣጋጣሚ ናይ ዓዲ ጉዳይ ኾይንኩም ናብ ምምሕዳር ብኣካል ብምምፃእ ይኹን ብስልኪ ምኽርን ሞያዊን ማተርያላዊ ሓገዝን ዝገበርኹምልና ግዱሳት ደቂ ዓዲ እናመስገንና ብፍላይ ድማ ማሕበር መናእስይ ናይ ህዝብኹም ሓደራ ንዘይምዕባር ግዜኹም ሰዊእኹም እትገብርዎ ዘለኹም ስራሕቲ ቐፅልሉ ኹሉ ህዝቢ ድማ ብኣኹም ኹሩዕን ሕጉስን እዪ።ኸልቢ ይነብሕ ጊመል መንገዱ ይቕፅል።
ብሩኽ መዓልቲ

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ጣብያ ደብሪ/Debri Administration office posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share