18/06/2026
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ቅድሚ ሓደ ሰሙን ወዲ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ህፃን ጨውዮም ተሰዊሮም ዝፀንሑ ተጠርጠርቲ ምስ ልዕሊ 700 ሽሕ ብር ኤግዚቢቶም ኣብ ከተማ ዓድዋ ተታሒዞም።
እዚ ሰሎሞን ግደይ ዝተብሃለ ህፃን ሰነ 4/2018 ዓ.ም ሰዓት 12:30 ኣጋምሸት ካብ ከተማ ኣኽሱም ጣብያ ኣባይ ፀሃየ ብክልተ መናእሰይ ብስዉር ተጨውዩ ተወሲዱ ዝነበረ እንትኸውን ፖሊስ ብዝገበሮ ዝተፈለየ፥ ውዱብን ረቂቕን ክትትል፤ ናብ ሎሚ 11 ሰነ 2018 ዓ.ም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ተሓባበርቶም ሓዊሱ 5 ተጠርጠርቲ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒለ ስሩዕ ምፅራይ ጀሚረ ኣለኹ ኢሉ ፖሊስ።
ነባርነቶም ወረዳታት ጭላን ማይቅነ'ጣልን፤ ከተማታት ዓድዋን እንትጮን ዝኾኑ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም ስሩዕ ምፅራይ ከም ዝተጀመረ ዝሓበረ ፖሊስ፤ ፈለማ ተጠርጠርቲ ኣብቲ ገበን ጭውያ ብምፍፃም ተጠርጢሮምሉ ዘለዉ ከባቢ ናብ ምእራይ ወርቂ ክንከይድ ኢና ብምባል ንክልተ መዓልትታት ገዛ ተኻርዮም ዝፀንሑ ኮይኖም፤ ኣብ መንጉኡ ግና ካልእ ትልሚ ገበን ሓንፂፆም ወዲ ክልተ ዓመት ህፃን ካብ መረባ ገዝኡ ጨውዮም ምስክርን መረዳእታን ከይርከብ ብምባል ድማ ዝኾነ ዓይነት መጓዓዝያ ከይተጠቐሙ ብበረኻ ሓንጊሮምዎ ብምኻድ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣእትዮም ሓቢኦምዎ ከም ዝቐነዩ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣረዲኡ።
እዚ ተግባር ብጥንቃቐ ምስፈፀሙ ድማ 2.5 ሚልዮን ብር ሓቲቶም፤ 750 ሽሕ ብር ተላኢኹሎም ዝነበረ እንትኸውን ፖሊስ ፍሉይ መፅናዕትን ክትትልን ከካይድ ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ሎሚ 11 ሰነ 2018 ዓ.ም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ብዘካየዶ ዕዉት ስርሒት እቲ ህፃን ናብ ስድርኡ ብምርካብ ተጠርጠርትን እቲ ከባቢ 40 ሽሕ ዝተጓደሎ ገንዘብን ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉ ፖሊስ ከተማ ኣኽሱም ምሉእ ምፅራይ የሳልጥ ከም ዘሎ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ማእኸል ትግራይ ገሊፁ።