Office of the President-Tigray

Office of the President-Tigray This is the official page of the president of Tigray National Regional State, aim to provide you with as much up-to-date.
(3)

ሻድሻይ ዘበን ራብዓይ ህፁፅ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሽመት ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ኣፅዲቑ።ቃለ ጉባኤ ሕሉፍ ስሩዕ ጉባኤ ብምፅዳቕ ዝጀመረ እቲ ህፁፅ ጉባኤ  ንኣወዳድባ...
01/06/2026

ሻድሻይ ዘበን ራብዓይ ህፁፅ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሽመት ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ኣፅዲቑ።

ቃለ ጉባኤ ሕሉፍ ስሩዕ ጉባኤ ብምፅዳቕ ዝጀመረ እቲ ህፁፅ ጉባኤ ንኣወዳድባ ኣብያተ ዕዮ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ዘትዩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ እዩ።

ቀፂሉ ብፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሽመት ምክትል ፕረዚደንት፣ ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ፣ ፕረዚደንትን ምክትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ኣመሓደርቲ ዞባ፣ ዋና ኦዲተርን ምክትልን ከምኡ እውን ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽን ቀሪቡ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ኣሎ።

በዚ መሰረት

1.ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ቢሮ ፍትሕን - ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ

2.ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን- ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ

3 ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን- ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ

4. ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን- ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን

5. ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ- ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ

6.ሓላፊ ቢሮ ኣጠቓቕማ መሬት- ዶ/ር ፍስሃ ሃፍተፅዮን

7. ሓላፊት ቢሮ መኣድን- ወ/ሮ ብርኽቲ ገብረመድህን

8.ሓላፊ ፓብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን- ዶ/ር ተኽላይ ተስፋይ

9.ሓላፊ ቢሮ ጥዕና- ዶ/ር ፀጋይ በሪሁ

10. ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን- ዶ/ር ኣብርሃም ሓጎስ

11.ሓላፊት ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ምፍጣር ዕድል ስራሕን- ወ/ሮ ኤልሳ ተስፋይ

12.ሓላፊት በዓል መዚ ልምዓት እቶት- ዶ/ር ምሕረት በየነ

13. ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትሕብባር ሃፍትን- ወ/ሮ ራሕማ ዓብደልቃድር

14. ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ- ወ/ሮ ሸዊት ኣዲሱ

15. ሓላፊ ቢሮ ሳይነስን ቴክኖሎጅን - ዶ/ር ገብረመስቀል ገብረማርያም (ካብ ምሁራት)

16. ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን- ኣይተ ዶሪ ኣስገዶም (ካብ ዓሲምባ)

17. ሓላፊ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን-ኣይተ ነጋሲ ገብረትንሳኤ (ካብ ኣኽሱማይ ዋዕላ)

ኣብ መረፃ ኣብዝሓ ድምፂ ረኺቡ ዝተዓወተ ህወሓት ሲሶ ቁፅሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መ/ትግራይ ንዓቕምታት መኸተ ክወሃብ ዘቕረቦ ሓሳብ ዘፅደቐ እቲ ቤት ምኽሪ ብሕፅረት ግዜ ንሎሚ ተወከልቶም ዘየቕረቡ ውድባት ፓለቲካ ንዘቕርብዎም ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ክሳብ ቀፃሊ ጉባኤ ፕረዚደንት መዲቡ እናሰርሐ ክፀንሕ ሓላፍነት ሂቡ ኣሎ።

ኣመሓደርቲ ዞባ

1. ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ- ኣይተ ወልደኣብርሃ ገብረፃድቕ

2. ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል- ኣይተ ሽሻይ ግርማይ

3. ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ- ኣይተ ዝናቡ ገብረመድህን

4. ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ-ኣይተ ፍስሃ ሃይላይ

5. ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ- ኣይተ ግደይ ኣዘናው

6. ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ- ኣይተ ከላሊ ሓጋዚ

ፕረዚደንትን ምክትልን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

· ፕረዚደንት- ኣይተ መንግስቱ ተኽላይ

· ምክትል ፕረዚደንት - ኣይተ ተስፋይ ገብረመድህን

ዋና ኦዲተርን ምክትልን

· ዋና ኦዲተር - ኣይተ ክብሮም ፍስሃየ

· ምክትል ዋና ኦዲተር- ኣይተ መኮነን ገብረእግዚኣቢሄር

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ

- ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸብቲ ሓፋሽ- ኣይተ ኣባዲ ገብረስላሰ ኮይኖም ቃለ መሓላ ፈፂሞም ኣለው።

ፓሊስ ትግራይ ኣብ ህዝብና ዝርአ ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ንምቕራፍ ዘለውና ዓቕምታት ብምትሕብባርን ልኡኹ መሰረት ብምግባርን  ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ...
28/05/2026

ፓሊስ ትግራይ ኣብ ህዝብና ዝርአ ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ንምቕራፍ ዘለውና ዓቕምታት ብምትሕብባርን ልኡኹ መሰረት ብምግባርን ክሰርሕ ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።

ኣብ መኽፈቲ መድረኽ ገምጋም ሕሉፍ 9 ኣዋርሕ ኣመራርሓ ፓሊስ ትግራይ ተረኺቦም መኽፈቲ መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ፓሊስ ከም ትካል ምስ ከባብያዊ ምምሕዳራት ብምውዳድ ነቲ ንኹሉ ድልው ዝኾነ ህዝብና ፣ ነባር ዓቕምታትን ውዳበታትን ብምትሕብባር ሰላምን ፀጥታን ህዝብና ኸውሕስ ይግባእ ኢሎም።

ህዝብና ናብ ስግኣት ፀጥታ ክኣቱ ኣይግባእን ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኩሉ በቢልኡኹ ብምስራሕ ኣብ ፀጥታ ዘሎ ፀገም ክነዐርዮ ይግባእ ኢሎም።

ድሕሪ ዝተኣወጀልና ጀኖሳይድ ፓሊስ ሰራዊትና ፓሊሳዊ ስርሓቱ ዝሰርሕን ከም ሰራዊት ዝጋደልን ድርብ ልኡኽ ዝሓዘ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ከይዲ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ብምጥሓስ ኣመራርሓ ብምልዓልን ብምሻምን ፓሊስ ሕገመንግስቲ ከኽብር እናተገበኦ ንውሳነ ኣብያተ ምኽሪ ዝጥሕሰሉ ኩነታት ከም ዝተፈጠረን ተረጋጊዑ ስርሑ ከይሰርሕ ብምግባር ሰላምን ፀጥታን ህዝብና እውን ውሑስ ክኾን ኣይከኣለን ኢሎም።

ፓሊስ ከም ትካል ማእኸሉ ፀጥታ ብምውሓስ ናይ ህዝቢ ስግኣት ምክልኻልን ክኾን ይግባእ ዝበሉ ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ትካላዊ ኣሰራርሓን ልኡኹን መሰረት ዝገበረ ምምዕርራይ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ቀልጢፍና ናብ ልኡኽና ብምእታው ናይ ውሽጥና ፀገም ፀጥታ ክነመዓራሪ ኣለና ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን እዚ ድማ ዓቕምታትና ኣዋዲድና እንተሰሪሕና ይከኣል እዩ ኢሎም።

እንኳዕ  ንመበል 1447 ዒድ ኣል ኣድሃ በዓል ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና እናበልኩ፤ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ህዝብና ርሑስ ብዓል ክኾነልና ይምነ።ዒድ ሙባረክ!ዶ/ር ደብረፅዮን ገ...
26/05/2026

እንኳዕ ንመበል 1447 ዒድ ኣል ኣድሃ በዓል ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና እናበልኩ፤ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ህዝብና ርሑስ ብዓል ክኾነልና ይምነ።

ዒድ ሙባረክ!

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል
ፕረዚደንት ብ/ክ/መ/ትግራይ

ዓወት 20 ጉንበት፤ ተጋሩ ብማዕበላት ሽርሒን ውዲትን ከምዘይሕለኹን ከምዘይቁርጦምን ዘርኣየ ኩነት እዩ!ከም ዝፍለጥ መበገሲ ዕጥቃዊን ፖለቲካዊን ቃልስና፣ ብጉልበት ከጭፍለቕ ዝተፈረደሉ መሰል ...
26/05/2026

ዓወት 20 ጉንበት፤ ተጋሩ ብማዕበላት ሽርሒን ውዲትን ከምዘይሕለኹን ከምዘይቁርጦምን ዘርኣየ ኩነት እዩ!

ከም ዝፍለጥ መበገሲ ዕጥቃዊን ፖለቲካዊን ቃልስና፣ ብጉልበት ከጭፍለቕ ዝተፈረደሉ መሰል ርእሰ ውሳነናን ዓርሰ ምሕደራናን ንምጉንፃፍ፣ ማዕርነትን ፍትሕን ንምንጋስን፤ ኮታስ ኣብ እንግደዓና ተፃዒኑ ዝነበረ ዓንኬል ባርነት ካብ ስሩ ብምንቃል፣ ንኹሉ ብማዕረ ዘገልግል ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

እዚ ቅኑዕን ፍትሓዊን ሕቶ ዝመሰረቱ ዕጥቃዊን ፖለቲካዊን ቃልስና፣ ንኹሎም ኣብ በቢምዕራፉ ዘጋጠሙና እልቢ ዘይብሎም ፈተንቲ መድረኻትን ማዕበላዊ ተፃብኦታትን ሰጊሩ ክዕወት ዝኸኣለ መበገሲ ዕላማ ቃልስና ፍትሓውን ቅኑዕን ስለዝነበረ ጥራይ ዘይኮነ፣ መሪሕ ውድብና ህወሓት ብዘነፀሮ ትኽክለኛ ናይ ቃልሲ ስትራቴጂን ስልትን ብኡ መሰረት ብዝተሃነፀ ፖለቲካዊ ብቕዓት፣ መላእ ህዝቢ ትግራይን ሰራዊትናን ድማ ነቲ ዝተነፀረ ትኽክለኛ ናይ ቃልሲ ስትራቴጂን ስልትን ነኺሶም ብምሓዝ ብዘካየድዎ ዘይፀዓድ ተጋድሎን ክምህ ዘይብል ወያናይ ፅንዓትን፣ ነቲ ብርእሰ ሓያላት እንከይተረፈ ዝሕገዝ ዝነበረ ገዚፍ ወታደራዊ ሚዛን ቀይሩ እዩ ክዕወት ክኢሉ። ስለዝኾነ ከኣ፣ ምሽጥር ዓወትና፣ እቲ ቃልሲ ኣብ ፍትሓዊን ቅኑዕን ሕቶ ዝተመስረተ ምዃኑ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ብውድብና ዝተሓንፀፀ ንዓለማዊ ኩነታት ብኣግባቡ ዝተረደአ ትኽክለኛ ናይ ቃልሲ ስትራቴጂን ስልትን፣ ኣብዚ ናይ ቃልሲ ስትራቴጂ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ ክዓስል ዘኽእል ብቑዕ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ስለዝተፈፀመን፣ መላእ ህዝብናን ተጋዳላይናን ብዘርኣይዎ ጅግንነትን ፅንዓትን እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት 'ውን ፀላእቲ ፥ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓገዝቲ ኣኽቲቶም፣ ብሓያል ቃልስን መስዋእትን ዝተጎናፀፍናዮ መሰል ርእሰ ውሳነን ዓርሰ ምሕደራናን ንምጉባጥ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ ናይ ምፅናት ውጥን ሓንፂፆም ዝኸኣልዎ ኩሉ ፈፂሞም 'ዮም። እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቱን ውድቡን ኮይኑ፣ ኣብ ሕሉፍ ቃልስና ዘማዕበልናዮ ብሉፃት ክብርታት ቃልስና ዓትዒቱ ብምሓዝ፣ ነቲ "ኣይኽእልዎን፥ ደጊም ወያነን ህዝቢ ትግራይን ተዳኺሞም እዮም!" ተባሂሉ ክሳብ ምእዋጅ ዝተበፅሐሉ ታህዲድን ዓዘራን፣ ብተኣምራታዊ ጅግንነትን ክምህ ዘይብል ዕንዓትን ገጢሙን፣ ካብ ዝተኣወጀሉ ሙሉእ ጥፍኣት ክወፅእ ክኢሉ እዩ።

መበል 35 ዓመት በዓል ዓወት ጉንበት 20፤ እንትንዝክር እምበኣር፣ ከም ህዝቢ ዝሓለፍናዮ ታሪኽን ሕሉፍ ተሞኩሮታትናን ምስ ህልዊ ኩነታትና ኣዛሚድና ክንዝክሮን ዘይነፅፍ ትምህርቲ ክንቀስመሉን ይግባእ። ስለዚ ሕሉፍ ናይ ቃልሲ ጉዕዞና ከምዘረጋግፆ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፍትሓዊን ሓቀኛን መትከሉ ፀኒዑ፣ ንኹሎም ማዕበላት ተፃብኦን ፈተንቲ መድረኻትን መኪቱ፣ ምእንቲ ህልውንኡን ቀፃልነቱን ማእለያ ዘይብሎም ውዲታትን ብድሆታትን እናሰገረ፣ ህልውንኡ፣ ሰብኣዊን ዴሞክራስያዊን መሰሉን እናረጋገፀን እምቢ ንምልኪ ኢሉ ካብ መቑሕ ባርነት እናሰገረ ዝመፀን ዘሎን ተባዕ ህዝቢ እዩ።

እንተኾነ ሕዚ’ውን ፖለቲካዊ ቃልስና ገና ኣይተዛዘመን፤ ማእኸላይ መንግስቲ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ኣፍሪሱ፤ ብኩናት ክሰልጦ ዘይከኣለ ህዝቢ ከም ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ፕሮጀክት፣ ብዝሑል ኩናት ክፍፅሞ ክንቀሳቀስ ፀኒሑን ኣሎን። ሕገ መንግስታዊ ወሰንና ኣይተኸበረን፤ ህዝብና ሕዚ’ውን ብሰላሕታ ካብ ምፅናት ኣይተገላገለን። ስለዚ ሕዚ’ውን ሕቶና ፣ እንተወሓደ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ዝተረጋገፀ ግዝኣታዊ ሓድነትና ክረጋገፅ፤ ወረርቲ ካብ ግዝኣትና ክወፁ፤ ዝግብኣና ካሕሳ ክወሃበናን ተሓታትነት ክረጋገፅን እዩ።

እዚ መሰረታዊ ሕቶና ብኣግባቡ ክሳብ ዝምለስ፣ ፖለቲካዊ ቃልስና ዝያዳ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እናረጋገፅኩ፤ መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ብኣውርኡ ድማ መንእሰይ ትግራይ ከምቲ ትማሊ፤ ብልዑል ስምረትን ሓያል ብሄራዊ ውህደትን፣ ነቲ ዘይስገር ዝመስል ዝነበረ ዝተጠናነገን ኣዝዩ ፅንኩርን መድረኽ ዝሰገርናዮ፤ ሕዚ’ውን ምስጢር ዓወትና ዝኾኑ ክብርታት ቃልስና ዓቂብናን ንህልው መድረኻዊ ጠለባት ዝምጥን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ድልውነትን ዓጢቕና ኣብ ጎኒ መንግስትና፣ ሰራዊትናን ውድብ ህወሓትን ከም ማይን ፀባን ረቢብና ፖለቲካዊ ቃልስና ተጠናኺሩ ክቕፅል ይፅውዕ።

ኣብ መወዳእታ ብምኽንያት መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ጉንበት 20፣ ንሙሉእ ህዝቢ ትግራይ፣ ንጅግና ሰራዊትናን መሓዙት ቃልስናን እንኳዕ ኣብፅሓና ክብል እፈቱ።

ልዑል ሞሳ ነቲ ኹሉ ዝከኣሎ ተባዕ ህዝቢ ትግራይ!

ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!

ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ፕረዚደንት ብ/ክ/መ/ትግራይ

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መጓዓዝያ ህዝቢ ዘጋጠም ዘሎ ፀገም ንምቅላል ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ካብን ናብን ኣገልግሎት ክህባ፣ ሰራሕተኛታት መንግስ...
23/05/2026

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መጓዓዝያ ህዝቢ ዘጋጠም ዘሎ ፀገም ንምቅላል ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ካብን ናብን ኣገልግሎት ክህባ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ድማ ብዝተማእኸለ ኢንተርፕራይዝ ኣገልግሎት ትራንስፓርት ክረኽቡ ወሲኑ።

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መ/ት ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዝሓለፈ ኣንፈት ኣቕሚጥሎም ካብ ዝነበሩ ኣጀንዳታት ሓደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዘንበሮ ክልከላ ነዳዲ ስዒቡ ኣብ መጓዓዝያ ህዝቢ ዝተፈጠረ ፀገም ንምቅላል ክቕመጡ ኣብ ዝግብኦም መፍትሒ ኣንፈታት ብምዝታይ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ኣብ ትግራይ ካብን ናብን ኣገልግሎት ክህባን ነዚ መፈፀሚ ዝኾን ዝርዝር መምርሒ ክዳሎን ወሲኑ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብን ናብን ስርሖም ዘጋጥሞም ዘሎ ፀገም መጓዓዝያ ንምፍታሕ ብኢንተርፕራይዝ ትራንስፖርት ተማእኺሉ ኣገልግሎት ክረኽቡ ክግበር ብምውሳን ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ናብ ተግባር ከእትዎ ኣንፈት ተዋሂቡ።

ናብ ኩለን ኣብያተ ዕዮ፣ ምምሕዳር ዞባታት፣ ወረዳታት፣ ከተማታትን ክፍላተ ከተማን ብ/ክ/መ/ትግራይ ከምኡ እውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብ/ክ/መ/ትግራይ፣
17/05/2026

ናብ ኩለን ኣብያተ ዕዮ፣ ምምሕዳር ዞባታት፣ ወረዳታት፣ ከተማታትን ክፍላተ ከተማን ብ/ክ/መ/ትግራይ ከምኡ እውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብ/ክ/መ/ትግራይ፣

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ዘትዩ።ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ሎሚ ዓርቢ 7 ጉንበት  2018 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ...
15/05/2026

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ዘትዩ።

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብ/ክ/መንግስቲ ትግራይ ሎሚ ዓርቢ 7 ጉንበት 2018 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንቢርዎ ንዘሎ ዕፅዋን ክባን ስዒቡ ተቛሪፁ ዘሎ በጀትን መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስትን፣ ኣብ መጎዓዝያ ህዝቢ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ንምቅላል ክውሰዱ ኣብ ዝግበኦም መፍትሕታት ከምኡ እውን ቀለንተን ትምህርቲ 2018 ዝምልከት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ኣድለይቲ ውሳነታትን ኣንፈታትን ብምቕማጥ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ናብ ኩለን ኣብያተ ዕዮ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ምምሕዳር ዞባታትን ወረዳታትን
14/05/2026

ናብ ኩለን ኣብያተ ዕዮ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፤ ምምሕዳር ዞባታትን ወረዳታትን

ቀንዲ ዋኒን መንግስቲ ትግራይ ምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ ኢሎም ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።  ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎ...
14/05/2026

ቀንዲ ዋኒን መንግስቲ ትግራይ ምርግጋፅ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ ኢሎም ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።

ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ንሚድያታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ተወንዚፉ ዝፀንሐ መንግስቲ ትግራይ ከምዝተመለሰ ብምግላፅ ህዝቢ ትግራይ ሕጊ ዘውፅእ፣ ዘፍፅምን ዝትርጉምን ዝተማለአ መንግስቲ ይሃልዎ ማለት መንቀሊ ኲናት ክኾን ኣይኽእልን ኢሎም።

ብልፅግና ንስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዘፍርሶ ፀኒሑ እዩ ዝበሉ ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገን ትግራይ ብዘተ ክፍታሕ እዩ ካብ ዝብል ተስፋ መስዋእቲ እናኸፈልና ፀኒሕና ኢና ኢሎም።

ንሰለስተ ዓመታት ተፀሚምና እኳ እንተፀናሕና ይትረፍ ፓለቲካዊ ኣፈላላያት ክፍትሑ ኮፍ ኢልካ ምዝርራብ እውን ከምዘይተኻእለ ብምግላፅ ክንዲ ምምሕያሽ እናገደደ ብምኻድ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ክባን ዕፅዋን ብምእታው፣ ወታደራዊ ኸበባ ፣ ከምአኡ እውን ናብ በይናዊ ውሳነ ብምስግጋር እቲ ስምምዕ ካብ ዘይምፍፃም ዝሓለፈ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ፀገም ዘአቱ ኮይኑ ኢሎም።

ዘለና መማረፂ ከም ህዝቢ ምህላውን ዘይምህላውን ስለዝኾነ ነቲ ስምምዕ ዝፈረመን ብህዝቢ ትግራይ ሓደራ ዝተቐበለን ህወሓት ስለዝኾነ ስልጣን ናብቲ በዓል ዋና ልኣላዊ ስልጣን ዝኾነ ህዝቢ ክምለስ ወሲኑ ኢሎም። በዚ መሰረት እውን ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነብር ህዝብና ነቲ ውሳነ ብሙሉእ ብምድጋፍ ቀልጢፉ ናብ ተግባር ክሰጋገር ሓቲቱ ኢሎም።

ዝፀናሕናሉ እዋን ዋንነት ስልጣን ህዝቢ ዘይተረጋገፀሉን ተፀዋዕነት ስልጣን ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፅዩ ንኣዲስ ኣበባ ዝኾነሉ እዩ ኢሎም። ምምላስ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ዓዲ ሕግን ስርዓትን ዝኾነት ትግራይ ናብ ትካላዊ መስርሕ ክትኣቱ ዝገብር እዩ ምስ በሉ ዘለውና ብድሆታት እንወፀሉ መድረኽ እውን እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ክመሓደር ከምዘለዎ ግን ድማ ብሚልዮናት ተመዛቢሉን ተሰዲዱን 45 ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ተወሪሩ እናሃለወ መረፃ ምክያድ ግን ንወረርቲ ምትሕብባር እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ዝተማልአ መንግስቲ ይሃልዎ ምባል ብዝኾነ ይኹን መንገዲ መንቀሊ ኩናት ክኾን ኣይኽእልን ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ድሌት ህዝቢ ትግራይ፣ ህወሓትን መንግስትን ትግራይ ብሰላምን ዘተን ምፍታሕ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ብልፅግና ግን ነቲ ስምምዕ ኣፍሪሱ እውን ዕፅዋን ክባን ኣዊጁ ድሮንን ነፈርትን ኣብ ምውፋርን ይርከብ ኢሎም።

ካቢኔ መንግስቲ ትግራይ ሓቛፋይ ኮይኑ ከምዝጣየሽ ብምግላፅ ኩሎም ጉዳያት ምስ ህዝቢ ብምርድዳእ ዝፍፀሙ እዮም ኢሎም።

ውሽጣዊ ዓቕምና ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሕድሪ ስውኣትና ተሸኪሙ ድሕንነት ህዝብና ኣብ ምርግጋፅ ዝርከብ ሰራዊትና ካብ መነባብርኡ ጀሚሩ ብኹለ መዳይ ከምዝጠናኸርን ንዓርሰ ምርኮሳ ማእኸል ዝገበረ ስራሕ ከምዝስራሕን ገሊፆም።

ዕጥቂ ብምሓዝ ናብ ትግራይ ዝትኩሱ ዘለው ኣካላት ምስ ፀላኢ ወጊንካ ዝመፅእ ፓለቲካዊ መፍትሒ ስለዘየለ ዝሓለፈ ይኣክል ኢሎም ፓለቲካዊ ኣፈላላይ እንተሃልዩ እውን ዓዶም ኣትዮም ብዝርርብ ክፍታሕ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዲያስፓራ ትግራይ ሕዚ እውን ቃልሶም ከጠናኽሩ ዝፀውዑ ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ስርዓት ብልፅግና ኣብ ህዝብና ዘብፅሖ ዘሎ በደል ተረዲኡ ኣካል መፍትሒ ክኾን ይግባእ ኢሎም።

ከም መንግስቲ ቀንዲ ዋኒና ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ።ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል  ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ንሚድያታ...
14/05/2026

ከም መንግስቲ ቀንዲ ዋኒና ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ።

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሎሚ ንሚድያታት መግለፂ ሂቦም ኣለው። ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ክነስዕብ ኢና።

Address

Hewelti
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Office of the President-Tigray posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share