Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ

Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ, Library, Tigray, Mekelle.
(1)

11/09/2025

🌼🌼🌼🌼🌼እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት ብሰላም አብፀሐኩም አብፀሐና ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላም ጢዒና ናይ ፍቅሪ ናይ ራህዋ ይግበረልኩም ይግረልና አሜን🌼🌼🌼🌼🌼

19/05/2025
06/05/2025

I got 20 reactions and comments on one of my posts last week! Thanks everyone for your support! 🎉

ሂወት ታሪኽ         ➡️ራእስ ኣሉላ ኣባ ነጋ ወዲ ቆቢ/ ናይ ኣፍሪካ ጀነራል / ጀነራል ኣቢስንያ  እና ጋርባዲ /ሊገባ ኣሉላ ናይ ጉራዕ ኣምበሳ ትርክ ባሻ ኣሉላ እዚኦምን ካልኦትን መፀ...
06/05/2025

ሂወት ታሪኽ

➡️ራእስ ኣሉላ ኣባ ነጋ ወዲ ቆቢ/ ናይ ኣፍሪካ ጀነራል / ጀነራል ኣቢስንያ እና ጋርባዲ /ሊገባ ኣሉላ ናይ ጉራዕ ኣምበሳ ትርክ ባሻ ኣሉላ እዚኦምን ካልኦትን መፀውዒ ራእስ ኣሉላ እንግዳ ቆቢ ዝተወሃቦም መግለፂ ጅግንነቶምን ክብሮምን እዮም

➡️ ራእስ ኣሉላ ኣባ ነጋ ካብ ኣቦኦም ባሻይ እንግዳ ቁቢ ካብ ወላዲት ኣዴኦም ወ/ሮ ጋራዳ ነጌድ ገብረማርያም ብ 1819 ዓ / ም ኣብ ከባቢ ተምቤን ተወሊዶም ።
➡️ ኣብ እዋን ቆልዕነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ዝቋለ ሚካኤል ትምህርቲ ቤተክህነት ብመ/ ር ገብረ ጊወርግስ ክከታተሉ ጀሚሮም ።

➡️ ይኩን እምበር ንእሹተይ ኣሉላ ካብ ናይ ቤተክህነት ትምህርቲ ንላዕሊ ቶክስን ዒላማን መዐለምን ቀልቦም ይገዝኦም ነበረ ።

➡️ ወላዲ ኣብኦም እንግዶ ቆቢ እውን እንተኮኑ ካብ ሩባ መረብ ማዕዶ ንዝነበረ ኣብ ዘመኖም ዝፈልጥዎም ጅግና ዕቅቦ ምካኤል ጦቋሪ ብጣዕሚ ይንእድዎም ስለ ዝነበሩ ናይዚ ጅግና ዕቆቦ ምካኤል ጦቋሪ ሽም ክለዓል ከሎ ካብ ውልዶም ሓደ ከምኦም ክኮነሎም ይምነዩ ነይሮም ።
➡️ ራእስ ኣሉላ ናይ ቤተክህነት ኣቦጊዳ ምቁፃር ንላዕሊ ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ዝናር መዐተርን ጠበንጃ ምፍታሕን ምግጣምን ቶክሲ ዕላማ ልምምድ ሓመሳን ፈረስ ምግላብን ብተደጋጋሚ የዘውትሩ ስለ ዝነበሩ ወላዲ ኣቦኦም እውን ካብ መቋዋም ከበራታትዕዎምን ጅግና ንክከነሎምን ይሕግዝዎም ነበሩ ።
➡️ ራእስ ኣሉላ ምስ መሓዝቶምን መዘነኦምን ዝበዝሕ ግዜ ብዛዕባ ኩናት ይፃወቱ ነይሮም ።
ኣነ ፊት ኣውራሪ እየ ንስካን ቀኝ ኣዝማድ ንስካ ድማ ግራ ኣዝማድ ኢለኩም ኣለኹ እናበሉ ምሻምንምውጋእን ምዝኽካርን ምፅዋትን ይፈቱ ነይሮም።

➡️ ካብዚ ብተወሳኪ ድማ ኣብ ጫወታን ሓመሳን ካብቶም ናይ መንደር ቆልዑ ኣውራ ኮይኖም ይወፁ ነይሮም ።

በዚ ምክንያት ድማ ንመሓዝቶምን ንመንዘኦምን ራእሲ እናተበሃሉ ክፅውዑ ጀሚሮም ።

➡️ ካብ መዓልትታት ሓደ ግዜ ንእሽተይ ኣሉላ ምስ መሓዝቱ ኣብ ሩባ ግባ እናተፃወተ ኣዋልድ ጎፍላ ተሸኺመን ብዕትሮ ስዋ ተሸኪመን ናብ መርዓ እንተምርሓ ኣሉላ ፀዊዑ እዚ ኩሉ ድግስ ናበይ ኢክን ትወስደኦ ዘለክን ክብል ሓተተን ።
ካብዘን ዝተሸከማ ኣዴታት ሓንቲ ጠጠው ኢላ ናይ ሕጫጨ ሰሓቅን እናሰሓቀት ንራእሲ ንወዲ ቁቢ ክንህብ ናብ መንደሮም ንከይድ ኣለና ክትብል ክትምልሰሉ ንሱ ከዓ ቅብል ኣቢሉ #እንተብሂኡ ክብል መለሱላ ።መን ይፈልጥ ሓደ መዓልቲ ክከውን ይክእል ንምባል።
➡️ እሱር ሃፀይ ቴድሮስ ከይኖም ጎንደር ዝተቀመጡ ዴጃ ኣዝማድ ኣርአያ ድምፁ እንግሊዛውያን ጎንደር ኣትዮም እሱራት እንትፍትሑ ንሶም እውን ነፃ ወፂኦም ንትግራይ ተመሊሶም ተምቤን ምንባር ጀመሩ ።

➡️ በዓጀብቶም ተዓዲቦም ብቦትኡ እንትዘዋወሩ ጎቦዛት ኩሎም እናተከታተልዎም ሓሽከር ክኮንሎም ጀመሩ ።

➡️ ኣርአያ ድምፁ ናይ ትግራይ መንደራት ኣናተዛዋወሩ ምርግጋዕን ግብሪ ብምቅባልን ናይ ሓሽክሮም ብዙሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሰራዊቶም ዕጥቂ ኣከዳድና ብምስትክካሎም ብሓሽከርነት ከገልግል ብዝበሰሉ መንእሰይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰከ ከደ።

➡️ ደጃ ኣዝማድ ኣርአያ ተምቤን ኣትዮም ኣብ ዝሰምበትሉ ሰሙናት መንእሰይ ኣሉላ እውን ምስ ኣዕርክቱ ተስማሚዑ ናይ ደጃ ኣዝማድ ኣርአያ ሓሽከር ንምኳን መረፀ።

➡️ እዚ ሓሳብ ንኣቦኦም ተዝነግርዎም ከምዘይ ቃዎምዎም ዝፈለጡ ኣሉላ ወላዲት ኣዴኦም ግን ከም ዝቃወማን እዚ ሓሳብ ድማ ክርኪሚቶ ከም ዝወርደሎም ብምእማን ንኣዴኦምን ኣቦኦምን ኣሕዋቶምን ከይነገሩ ሓሽከር ደጃ ኣዝማድ ኣርአያ ንምኳን ሕቶ ኣቅረቡ ።

➡️ ደጃት ኣዝማድ ኣርአያ እቲ ገና ብቆልዕነቱ ሓሽከር ሓቲቱ ዝመፆም ጋሻ ሪኦም ወድመንን ካበይ ከም ዝመፀን ምስ ኣረጋገፁ ሓሽከርነቱ ንደቆም ንደብደበ እናኣምሰሉን ፈቀደሉ ።

➡️ ኣሉላ ናይ ክልቲኦም እግሪ ክሓፅብ ንክልቲኦም ክለኣክ ክወፁን ክኣቱን ድማ ክከታተሉ ጀመረ ።
➡️ ስጋ ቆቋሕን ሰስሓን ዝፈትው ዝነበሩ ደጃ ኣዝማድ ኣርአያን ንውልዶም ኣምሳሉ ኣርአያን ከም ግግዚኡ ገፀ በረከት እንትህብ ካብ ደጃ ኣዝማድ ጠበንጃ ካብ ጓሎም ድማ ኩታ ተሸለሙ ።
➡️ ብተኳስነቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ራእሲ ኣሉላ ንገዛ ርእሶም ሓልየት ዘለዎምን ተኣማንን ብምኳኖም ብደጃ ኣዝማድ ብዝበለፀ ተፈታዊ ገበሮም ።

➡️ ፀኒሖም ድማ ካብ ደቆም ሓሽከርነት ወፂኦም ናብ ደጂ ኣዝማድ ሓሽከርነት ተሰጋገሩ እናወዓለ እናሓደረ ምስ ከደ ራእሲ ኣሉላ ምስጢረኛ እንትኮኑ ኣምሰሉ እንትትሕጎስ ሓዋ ደበበ ግን ናይ ልቡ እናሓበጠ መፀ ።
➡️ በቢ ወረዳን በቢ መንደርን እናተለኣኣከ ናይ ጎይቶኦም ደጃ ኣዝሓድ ኣድለይቲ ነገራት ብምፍፃም ካብ ህዝቢ ዝቀረበ ጉዳይ ውህብቶን ምቅባል ምፅዋር እናከደ ኣቁሑትን ዘመናዊ ጠበንጃን ጥይትን ምግዛእ ጀመረ ።
➡️ እዛም ነገራት ድማ ናይ ራእሲ ኣሉላ ኣተሓሳስባ ከዕቢየሎም ክኢሉ ።
ብፍላይ ምፅዋዕ በፂሖም ዝረአይዎም መርከባት ዘራግፍዎን ዝፅዕንዎን ዝነበረ ሸቀጣ ሸቀጥ ጠበንጃታትን ንደጃ ኣዝማድ ኣርአያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኢትዮጵያ ክንደይ ዝኣኽል ዝጠቅም ካብ ልቦም ብምእማኖም እኩል ፍልጠት ብምርካቦምን ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሮም እዚ በሪ ንድሕንነት ክሕሎ ብዝግባእ ዝወሰነሉ ግዜ ነይሩ ።

➡️ ናይ ደጃት ኣዝማድ ኣርአያ ግዛእ ዝነበረ ተምቤን ካብን ናብን ዘበፅሕ ሓሽከር እንተሃለወ ኣሉላ ጥራሕ እዩ ነይሩ ።
ሓደ መንደር ቀርዮ ሓደ ሓረሰታይ ክክፍሎ ዝግባእ ግብሪ እንድሕር ደኣ ኣሕዲሩ ዝለኣክ ኣሉላ እዩ ።

➡️ ፀጉሪ ልውጥ ኣብ ሓደ ቀበሌ ተራእዩ እንተተባሂሉ ገስጊሱ ዝወፅሕ ተወርዋሪ ጦር ኣሉላ እዩ ።
ብወሎን ጎጆምን ዝነበሩ መኳንንቲ ናይ ደጃ ኣዝማድ መልእክቲ ዘብፅሕ ብዘይ ኣሉላ ዋሏ ሓደ ኣይነበረን ።
ብፍላይ ናይ ምፅዋእ ተላኢኩ ንፈለማ ግዜ እቲ ባሕርን ነቲ ባሕሪ ደንባ ክሳፈፍ ዝርአየሉ መርከብ ብምርኣዩ እቲ መርከብ ሰብን ኣገልግሎትን ንምዕዛብ ድማ ናይ ባሕሪ መርከብ ጥቅሚ ክፈልጥ ክኢሉ እዩ ።

➡️ ብዙይን ብካልኦትን ስራሕቲ ክኮርዕሉ ዝጀመሩ ድጃ ኣዝማድ ኣርአያ ዋሏ ንሶም ብሰራሕቶምን ጅግንነት ኣሉላ ይማረኩ እምበር
ኣብ ቤተ መንግስቶም ግን ሰላም ክሰፍን ኣይከኣለን እዚ ድማ ደጃ ኣዝማድ ኣርአያ መሳፍንትን ደቀመሳፍንትን ገዲፎም ንሓደ ሓረስታይ ብምቅራቦም ቤተ መንግስቶም ሰላም ክፍርስ ከኣለ ።

➡️ ንውላዶም ደበበ ኣርአያ ኣትሒዙ ክሳብ ኣጋፊሪ ስብሓት ብናይ ኣሉላ ስራሕቲ ነቲ ገዛ ዘለዎም ተኣማንነት ብጎድኒ ዓይኒ ንክረኣአዩ ገበሮም ።
ነዚ ዝፈለጡ ደጃ ኣዝማድ ኣርአያ ምስ ኣሉላ ተቀራሪቦም ምስ ኣጋፍሪ ስብሓት ከብድን ሑቆን ክከኑ ስለ ዝደለዩ ብክልተ ሓሳብ ተወጠሩ ።
➡️ ነቲ ሓደ ኣሉላ ካብጎኖም ክርሕቆም ዋሏ እኳ ተዘይደለየ ምስ መሳፍንትን ኣገልገልትን እውን ክኮራረዩ ግን ኣይመረፁን ።ብካሊእ ወገን ድማ ካብ ጎኖም እንተሪሒቁ ኣብ ሓደ ደጃ ኣዝማድነት ኣትዮ ናቶም ምሽጢር ከየውፀኦሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ናቶም ዝነበረ ሓሽከር ናብ ካሊእ ገዛ ኣትዮ ኣገልግሎት ምሃቡ ከም ሓደ ዓቢይ ጥቅዓት ገይሮም ወሰድዎ ።

➡️ ካብዚ ባዕሎም ዝፈልጠርዎ ስምዒትን እምነትን ነፃ ንምውፃእ ድማ ኣሉላ ሒዞም መቀለ ኣብ ዝኣተውሉ እዋእ ኣብ ገዛየይ መንቀኛ ከንብሮ ኣይከኣለን ንዓካ ግን ይጠቅመካ እዩ ካብ ጎድንካ ኣይተርሕቆ ተኣማኒ ጅግና እዩ ንገዛካን ዓውድካን ሓፁር ክኮነልካ እዩ ኢሎም ንደጃ ኣዝማድ ካሳ ኣረከብዎም ።

➡️ ተሳናቢቶም ናብ ተምቤን ክምለሱ እንትብሉ ኣሉላ ክሳናበቶም ጫማኦም እንትስዕም ካሳ ዝገብሮ ኩሉ ለኣከለይ ኣነ እውን ኣብ ዝደለኩኳ እዋን ብቅልጡፍ ምፀኒ ንግዚኡ እዩ እምበር ካባየይ ኣይትፈለን ኢሎም ተሰናበትዎ ።

➡️ ደጃት ኣዝማድ ካሳ ናይ ኣሉላ ጅግንነትን ተኣማንነትን ኣብ ፈተና ከእትውዋ ኣይመረፁን ምክንያቱ ናይ ሓው ኣቦኦም ምስክር እኩሎም ስለዝነበረ ድሕሪ ንእሽተይ ግዜ ኣሉላ ናይ ኣዳራሾም ኣገልጋሊ ገበርዎ ።

➡️ ወግሐ ፀብሐ በቢ ቀበሊኡን በቢ በረክኡን ምዛር ዝለመደ ኣሉላ ዓሊሙ ብሓንቲ ጥይት ዘውድቅ ኣሉላ ብናይ መታኣንገድቲ ቀጭን ኩታ ተሓንጊጡ ንዝኣቱን ንዝወፁን ግምብሕን ቅንዕን ምባልን ኣብ እዝኒ ሕሹክሽሹክ ምባልን ሕጉስ ክገብሮ ኣይከኣለን ።

➡️ ምትካዙን ሕጉስ ዘይምኳኑን ዝተዓዘቡ በዝብዝ ካሳ ካብናይ ኣዳራስ ኣገልጋሊ ናብ ኣጋፍሪነት ሓፍ ኣበልዎም ።
በዚ ሓዱሽ ሽመት ድማ ብመጠኑ ተሓጎሰ ካሊእ እንተቀረየ ባህሎም ዝእዝዝዎ ተከተልቲ ኣለውዎ ።ብኣጋፊሪነቱ ድማ ኣብ ግዚኡ ዝነበሩ ድጃ ኣዝማድ ኣርአያን ኣጋፊሪ ሓጎስን በሊፁ እዩ ።

➡️ ውዑይ ሓይሊ ዝነበሩ ድጃ ኣዝማድ ካሳ በዝብዝ ሰራዊቶምን መሳሪሖኦምን ብዝግባእ ምስ ኣዳራጀው ንሃፀይ ቴክለጅወርግስ ዝግብርዎ ዝነበሩ ግብሪ ኣይከፍልን ኢሎም ብምዕማፆም ኣብ ክልቲኡ ሓያልን ብርትዑን ናይ ኩናት መልእክቲ ክለኣእኩ ጀመሩ ።

➡️ ሃፀይ ቴክለጅወርግስ ውዕዩይን ሓያልን ደጃ ኣዝማድ ካሳ ንምፍርራሕ ስጥ ለጥ ኢሎም ንክግዝኡ ንክግብሩን ክብሉ ናይ ሰራዊቶም ብዝሓት ናይ ደጃ ኣዝማድ ካሳ ተከተልቲ ቀርዩ መላእ ኢትዮጵያ ተቃውሞ ዝነበረ ኩሉ ከጥልቅልቅ ከም ዝከአለ ንምርኣይ ክብሉ ትርሽዋ ምሉእ ጣፍ ናይ ሰራዊተይ ብዙሓት እዚ ዝኣክል እዩ ክብሉ ለኣክሎም ።

➡️ ደጃት ኣዝማድ ካሳ ድማ ሰራዊትካ እዚ ዝኣክል ዋሏ እንተኮነ ከምዚ ከይረ ቆልየ እየ ዝልእከልካ ክብሉ ተርሽዋ ምሉእ ጣፍ ዝለኣክሎም ቆልዮም መለስሎም ።

➡️ ሓሪሩ ዝተለኣከሎም ጠርሽዋ ሙሉእ ጣፍ ኣብ ገፆም ዝፈሰሰሎም ሃፀይ ቴክለጅወርግስ ካብቲ ጣፍ ዝበለፀ ገፆም ሕርር በለ ።ካብዚ ንላዕሊ ፅጋብ ካብዚ ንላዕሊ ንዕቀት ይኩን ኣብ መሬት ካብ ሰብዓ ሰማያት ሰማያት እውን ኣይበፅሐንን ውቃዒ ነጋሪት እቶው ሰራዊት ኢሎም ናብ ትግራይ ዘመቱ ።

➡️ ክልቲኦም ተናሓናሕቲ ሰራዊቶም ኣብ ከባቢ ዓድዋ እንትሮከብ ሩባ ኣሰም እትበሃል ቦታ 5 ሓምለ 1888 ዓ /ም ኩናት ገጠሙ ።እዛ ዘውዲ መን ክወስዶ ይኮን እናበሉ ድማ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ዋግን ቤግ ምድርን ብሓንሳብ ጀመረ ።

➡️ ሓይሊ ደጃ ኣዝማድ ካሳ ኣብ ጥቃ ገዝኦም ሰተት ኢሉ ዝኣትዎሎም ሰራዊት ዝርይኡ ከቢቦም ከም ከም ጣፍ ክቀልውዎ ጀመሩ ።ኣጋፊሪ ኣሉላ እውን ካብቶም ዝነበርዎም ተከተልቲ ብርክት ዝበሉ ሰራዊት ተወሲክሎም ብካሊእ ኣንፈት ክዋግኡ ውዒሎም ኣብ መወዳእታ ድማ በለፍ ቀኒዕዎም ባዕሎም ንሃፀይ ቴክለጅወርግስ ማሪኮም ንደጃ ኣዝማድ ካሳ ኣቅረብሎም ።

➡️ በዚ ምክንያት ድማ ንጉስ ማራኪ ምስ ዘውዲ ሓሽከር በዝብዝ ኣሉላ ወዲ ካብ ንፍስ ዝፈጠነ ብተባዕታይነቱ ዝተኣማመነ ኢሎም ፍከረኦም ከይወድኡ ንብዓት ኣታሓናነቆም ።ኣብ እግሩ ተምበርኪኮም ስቁ እንትብሉ ብዝብዝ ካሳ ስዒሞም ናይ እንግሊዝ ሰራዊት ጀነራል ናቤል ካብ ዝሃቦም ክልተ ጠበንጃታት እታ ሓንቲ ኣውፂኦም ሸለሙዎም ።

➡️ ሃፀይ ቴክለጅወርግስ ኢዶም ጨቢጦም መንፈስ ዓወት ናብ መቀለ ምስ ተመለሱ ኣሉላ ካብ ኣጋፋርነት ናብ ሸለቃ ማዕርግን ድንግላ ፈረስ ኣባ ነጋ ኢሎም ሰይሞም ንካልኣይ ጎዜ ሸለሙዎም ።

➡️ ድሕሪ እዚ ጅግንነት ኣሉላ ካብ ደጃ ኣዝማድ ካሳ ሓሊፉ መረብ ምላሽ ካብ ተከዘ ማዕዶ ኣባይ ተሸጊሩ ክቃዋሕ ጀመረ ።ካብ ታራ ማሕበረሰብ ክሳብ ናይቲ ግዜ መዃንንቲ ናይ ኣሉላ ጅግንነት በቢ ርብኡን በቢ መርዓን ክጋዋሕ ጀመረ ።

➡️ ዴጃኣዝማድ ካሳ ንሃፀይ ቴክለጅወርግስ ስዒሮም ዘውዲ እንትደፍኡ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ንጉሰ ንጉስ ዘኢትዮጵያ ንጉስ ፅዮን ኢሎም ምስ ነገሱ ሺ ኣለቃ ኣሉላ እውን ናይ ሊጋብነት ማዓርግ ተውሃቦም ።

➡️ ሃፀይ ዮሃንስ ግዝኣቶም ንምድልዳልን በቢ ቦትኡ ዝለዓል ዝነበሩ ተናሓነሕቲ ንምብርካክ እንትዘዋወሩ ናይ ኣሉላ ቅልፅም ን ጥንካሬኦም ሃፀይ ዮሃንስ እንተተመክሕሎም ናይ ድጃ ኣዝማድ ኣርአያ ዝነበሩ ተከተልቲን ባዕሎም ድጃ ኣዝማድ ኣርአያን ድምፁ እውን ፀሎቶም ኣብ ልዕሊ ኣሉላ እናፀባረቀ ከደ ።

➡️ እንዳ ድጃኣዝማድ ኣርአያ ገዲፎም ክወፁ ዝገበሮም ካብ ንእሽተይ ስድራ ካብ ወዲ ሓረስታይ ምውላዶም እናተከተለ ቤተመንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ክኣቱ ጀመረ ።ናቶም ጅግንነትን ክብርን ብዝወሰከ ቅፁሪ ብክፍእ ዓይኒ ዝሪእዎም እናተበራከቱ መፁ ።

➡️ ሃፀይ ዮሃንስ ኣብ መሳፍንትን ኣብ ሊገባኣሉላ ዘሎ ሰሓቦ ግጦጦ ምዕጋስ ድማ ናይ ሓማሴን ናይ ሐዚ ኤርትራ ገዛኢ ምንባሮም እውን ይንገረሎም ።ብ 1876 ዓ/ም/ፈ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ጉንዶ ዝበፀሖ ዕንወት ንምክሕሓስ ብጉራዕ ገይሩ ዝመፅእ ሰራዊት ግብፂ ዝሓሰቦ ከይሰመረሉ ንካልኣይ ግዜ ዕንወት ኣታኣናገደ ።

➡️ ራእስ ኣሉላ ድማ ብዝረከብዎ ዓወት ናይ ጉራዕ ኣምበሳ ዝብል ሽም ወፀሎም ።ሰራዊት ግብፂ እናመረሐ ዝመፀ ጀነራል ማሪኮም ናቱ ዝነበረ ክዳን ተከዲኖም ንመዘከርታ ዝተለዓልዎ ስእሊ እስካ ሐዚ ዝንሪኦ ዘለና እዩ ።

➡️ ሃፀይ ዮሃንስ ድማ ብዝረከቦ ዓወት ናይ ጉራዕ ኣምበሳ ናይ ራእሲ ማዓርግ ሂቦም ናይ ሓማሴን ገዛኢ ገበርዎም ።

➡️ ብ 1887 ዓ/ም /ፈ ምስ ጣልያን ኣብ ዶጉዓሊ ኣብ ዝተገበረ ውግእ 22 ጀነራላትን ልዕሊ 500 ዝኮኑ ሰራዊት ብምድምሳስ ኣብ ኣውሮፖ እንግሊዝ ጀርመንን ፈረንሳይን ፃዕዱ ብፀሊም ምሰዓሩ ሓፈሩ ።

➡️ ኣብ ሃገረ ጣልያን ድማ ዓቢይ ተቃውሞ ኣልዐለ ኣብ ፓርላማ እውን መነጋገሪ ኮነ ናይ ዓለም ጋዜጣ ብታሪክ ንፈለማ እዋን ሰራዊት ብፃዕዳ ብፀሊም ከም ዝተሰዓረ መስከሩ።

➡️ ጅግንነት ኣሉላ ድማ ብኣፍሪካን ኣውሮፓን ኣብ መላእ ዓለም ተፀባረቀ።
ኣፍሪካዊ ጀነራላዊ ዝብል ሽም ድማ ተወሰከሎም ጣልያን ድማ ኣብ ኣደባባይ ሮም ንዝሞቱ #500 ሚኢቲ ሰራዊት ቺኮንቶ 500ሚኢቲ ዝብል ኣደባባይ ኣብ ማእከሎም ኣስረሐሎም ።

➡️ ድሕሪ እዚ ኩናት ጣልያናውያን እንግሊዛዊ ሰር ጀነራል ፓርታል ዝበሃል መልእከተኛ ብምልኣክ ንዶጉዓሊ ገጥ ጣልያውያን ብምልኣክ ኢትዮጵያ ይቅርታ ክትሓትትን ብተወሳኪ ድማ ንጣልያን ሰሓቲ ,ቪኣ,ከረን,ኣሳውርታን ከባብን ንክትህብ ሓሳባታ ኣቅረበት ኣብዚ እዋን ድማ ራእሲ ኣሉላ ብታሪክ እናተዘከረ ዝነበረን ዘሎን ንግግር ነቲ መልእክተኛ ተናገርዎ።

➡️ ጣልያንናውያን ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ክነብሩ ዝክእሉ ኣነ ገዛኢኦም ክከውን ከለኩ ጥራሕ እዩ ።ሓደ ግዜ ቅልፅመይ ኣሪአዮም እየ ተመሊሶም ተመፂኦም ድማ ክደግሞም እየ ።ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ ክብሉ ተዛረቡ።እዚኦምን ብርክት ዝበሉ ታሪክ ዝሰርሑ ራእሲ ኣሉላ 21 ዓመታት ዝኣክል ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ዘገልገሉሉ ግዜ ግብፂ 5 ግዜ ምስ ሱዳን መሃንዲስ 3ግዜ ከምኡ ድማ ምስ ጣልያን 5ግዜ ተዋጊኦም ዓወት ዝቀነዖም እንትከውን ካብ 28 ግዜ ዝገበርዎም ውግኣት ድማ ኣብ ሓደ ዕድል ከይቀነዖም ቀርዮ እዩ ።
➡️ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ብ 1879_1897ዓ/ም 24 ግዜ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ተዛቲዮም እዮም ካብ ጥሪ 1877_1891 ድማ ኣስታት 42 ደብዳቤ ተፃሓሒፎም እዮም ።

➡️ ሃፀይ ዮሃንስ ብናይ ራእሲ ኣሉላ ጅግንነት ዝሕጎሱ ስለ ዝነበሩ ሽመት ኩሉ እንትውድኦም ናይ ራእስታት ራእሲ ናይ ቱርኪ ባሻ ክብሉ ሽመት ከም ዝሃብዎም ይንገር ።
ራእሲ ኣሉላ ብኩናት ጅግንነት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር እውን ፈረሰኛታት ብምምዳብ ክከታተለሎም ዝነበረ እንትከኑ ኣብ ፍትሒ ኣወሃህባ እውን ይፍተዮ ነይሮም ።
➡️ በዚ ምክንያት ድማ ፀድቂ ከም ላሊበላ ፍትሒ ከም ኣሉላ ይበሃለሎም ነይሩ።እቲ ዘመን ድማ ናይ ፍትሒ ዘመን ክበሃል ይንገረሎም ነይሩ።

➡️ ካሊእ ጅግንነት ራእስ ኣሉላ ኩናት ዓድዋ እንትከውን ወታደራዊ ስልትታን እናተጠቀሙ ካብ ማእከል ዓዲ ናብ ኤርትራ ሰለልቲ እናለኣኩ ኩነታት ዓዲ እናፅንዑ ኩሉ ነገር ከም ዝፈልጡ ድማ ኤቲግዳይ ተሓዊሱ ካልኦት ጀጋኑ ብምስላፍ ጣልያን ንክሰዓር ዓቢይ ጉዳይ ዝተፃወቱ ቀንዲ ጅግና ራእስ ኣሉላ ነይሮም ።

➡️ ድሕሪ ዓወት ኩናት ዓድዋ ካብ ዓድዋ መረረት መረረት ህዝቢ ናብ ራእስ ኣሉላ መፆም።ንሱ ድማ ራእስ ሓጎስን ሓሻክርቱን ናይቲ ድካ ሓረስታይ ንብረትን ጥሪትን ክገርግ ክሰርቅ ብምጅማሩ ህዝቢ እናፀረፀረ ምኳኑን ንከማልዱ ድማ ህዝቢ ኣቤት በሎም ።

➡️ በዚ ዝተናደዱ ራእስ ኣሉላ 12 ጥሪ 1889ሰራዊቶም ሒዞም ንራእሲ ሓጎስ ንምውጋእ ሽረ ኣለው ናይ ራእሲ ሓጎስ ሰራዊት ድማ ካብ ናይ ራእሲ ኣሉላ ዕፅፊ ነበረ በዚ ምክንያት ድማ ብርክት ዝበሉ ሰራዊት ኣሉላ ተሰውኡን ተወግኡን ራእሲ ኣሉላ ባዕሎም እውን ጭዋዳ ኢዶም ተወቅዑ ዝተወቅዕሉ ኢዶም ብጨርቂ ኣሲሮም ኣተሓሕዛ ስልቶም ብምቅያር ናይ ፀላኢኦም ዕርዲ ሰይሮም ብምእታው ራእሲ ሓጎስ ኣብ ውሽጢ ዓዶም ማረክዎም ።

➺ ንስካ ተትማርከኒ እንታይ ትገብረኒ ነይርካ በልዎ ።ራእስ ሓጎስ ከዓ ኣነ ተዝማርከካ ነይረ ማ ክኣስረካ ነይረ ኢሎም መለስሉ።ብስንክካ እኮ ንፁህ ደም ፈሲሱ እዩብምባል ንክቅተሉ ኣዘዝሎም ።

➺ ራእሲ ኣሉላ ድማ ሓሻክሮም ተሸኪሞም ናብ ኣክሱም ወሰድዎም ።ልዕሊ 10 ወርሒ በዝሕማም ምሕማሞም ድማ 9 የካቲት 1898ዓ/ም ኣብ ዝተወለድሉ 72 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈለዩ።

➺ ራእስ ኣሉላ ኣባ ነጋ ወዲ ቁቢ ናይ ኣፍሪካ ጀነራል መረአያ ጀጋኑ ዓለም ዘለኣለም ይዝከር

➺ ራእስ ኣሉላ ኣባነጋ ተዓዋታይ ዓውድታት ኩናት ባዕዲ ቀንዲል ናፀነትን ብርሃንን ፈላማይ ፀሊም ጀነራል ኩርዓት ትግራይናን ተጋሩን ።

➡️ ብ 1827_1897 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ምስ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ዝተገበረ ኩናትን መኽፈትን
➺ ንግብፃውያን
✔️ኣብ ጉንደት 1875 ዓ/ም/ፈ
✔️ኣብ ጉራዕ 1876 ዓ/ም/ፈ
✔️ኣብ ሰሓጢት 1880 ዓ/ም/ፈ
✔️ ኣብ ኣይለት 1888 ዓ/ም/ፈ
➺ ንማህድስት
✔️ኣብ ኩሬት 1885 ዓ/ም/ፈ
✔️ኣብ መተማ 1889 ዓ/ም/ፈ
➺ ንጣልያናውያን
✔️ኣብ ሰሐጢት 1887 ዓ/ም/ፈ
✔️ኣብ ዶጉዓሊ 1887 ዓ/ም/ፈ
✔️ኣብ መቀለ 1896 ዓ/ም/ፈ
✔️ኣብ እምባ ኣላጀ 1895 ዓ/ም/ፈ
✔️ኣብ ዓድዋ 1896 ዓ/ም/ፈ
ኣንፀባራቃዊ ዓወታት ብምምዝጋብ ንሃገሮም ክብሪ ንህዝቦም ድማ ጅግንነት ኣውሪሶም እዮም


#ደጉዓሊ #ጉንደት #ሰሓጢት #ዓድዋ #ማይጨው #ኣላጀ
#ጉራዕ

14/04/2025

ካብ ሓደ ባዕራይ ዝረኸሰት ማሕረሲት

 1 ሰኑይ= ርግመተ ኦም በለስ( ኣብ እዋን ክረምቲ ፍረ ስለ ዘይተረክበላ)        2 ሰሉስ=ፈሪሳውያን ንጎይታ ሓቲቶም ምላሽ ተዋሂብዎም ዘንፀርፀርሉ እዋን                    ...
14/04/2025



1 ሰኑይ= ርግመተ ኦም በለስ( ኣብ እዋን ክረምቲ ፍረ ስለ ዘይተረክበላ)

2 ሰሉስ=ፈሪሳውያን ንጎይታ ሓቲቶም ምላሽ ተዋሂብዎም ዘንፀርፀርሉ እዋን

3 ረቡዕ= ይሁድ ብሳላሳ ዲናር ጎይትኡ ዝሸጠሉ ከምኡ እውን ኣይሁድ ሕማቅ ምክሪ ተማኺሮም ዘፅደቅዎ

4ሓሙስ= ጎይታና ስርዓት ዘቖመሉ ትሕትና ዝገለፀሉ ፈተና ንከይንኣቱ ክንፅሊ ከም ዝግባኣና ዝማሃረሉ እዩ

5 ዓርቢ= ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ሓራ ዘውፀአሉ (ኣብ ቤቴልሄም ዝተሰንከተ ሕብስቲ ኣብ ቀራንዮ ተቆሪሱ)

ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘልኣለም ሂወት ምእንቲ ክረክብ እምበር
ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ ኣምላኽ እውን ዓለም ብእኡ ክትድሕን እምበር ንዓለም ክፈርድስ ኣይላኣኾን ዩሃ3!16-17



ኪርያላይሶን ፡ኪሪያላይሶን ፡ኪሪያላይሶን!!!

ኣብ ግብረ ሕማማት ዘለው ቃላት ብግእዝ ይኹን ብትግርኛ ከይተተርገሙ ከምዘለውዎ ካብ ዝተፈላለየ ቋንቋ ተወሲዶም ንጥቀመሎም ቃላት

1 ኪርያላይሶን ፥ኪርያላይሶን ናይ" ግሪክ ቃል ኮይኑ ኣናብብኡ ኪርዬ ኤልይስን" እዩ

#ኪርያ "ማለት እግዝኢተነ ማለት ክኸውን ተሎ "

#ኪርዬ "ማለት ደማ እግዚኦ ማለት" እዩ

ክንበብ ከሎ "ኪሪዬ ኤልይስን" ክባሃል ኣለዎ።

ትርጉሙ ከኣ ኦ እግዚኦ ማሓረና ማለት እዩ።

2 ናይናን ፥ ናይ ቅብጢ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ክኣ "ማሓረና ማሓረና" ማለት እዩ።

3 እበኖዲ፥ ናይ ቅብጢ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ "ኣምላኽ" ማለት እዩ።እብኖዲ ናይና ክብል" ከሎ ድማ ኦ ኣምላኽ ማሓረና" ማለት እዩ።

4 ታኦስ፥ ናይ ግሪክ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ኽኣ"ጎይታ ኣምላኽ" ማለት እዩ።
ታኦስ ናይና "ማለት ድማ ኦጎይታ ማሓረና" ማለት እዩ

5 ማስያስ፥ ማስያስ ቃሉ ናይ ዕብራኤስጥ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ መሲሕ "ማለት እዩ" "ማስያስ ናይናን" ማለት ድማ" ኦ መሲሕ ማሓረና" ማለት እዩ።

6 ትስቡጣ፥ "ዴስፖታ" ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝመፀ ኾይኑ ትርጉሙ ድማ ሓያል ገዛኢ ማለት እዩ።

7. ኣብ ሰሙነ ሕማማት ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ ብዘይካ ሓሙስ ጽግቦ ስርዓተ ቅዳሴ ኣይፍጸምን እዩ።

8.ኣብ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ጥምቀት ኮነ ስርዓተ ተክሊልን ካሊእ ምስጥራት ኣይፍጸምን እዩ።

9.ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንዝሞተ ሰብ ፍትሓት ኣይግበረሉን እዩ። መዓስ ድኣ ይፍታሕ እንተ ኢልና ሰንበት ሆስኣና ቅድሚ ሕማማት ምእታዉ ናይ ኩሉ ስርዓተ ፍትሓት ይፍጸም፡ ንስሓ ወሲዱ ቆነና ዝተዋህበ ሰብ እንተ ሃሊዩ ውን በዚ ዕለት ፍትሓት ንኩሉ ይግበር ስለዚ ሰንበት ሆስኣና ከም ምካኑ መጠን ፍትሓት ውን ስለ ዝግበረልና ኩልና ቤተ ክርስቲያን ክንከይድ ይግባእ።( በዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ናይ ኮሮና ግን ቅዱስ ሲኖዶስ ብዝኣዘዙና ክንከይድ ይግባእ)

10.ኣብሰሙነ ሕማማት ንስሓ ኮነ ናይ ንስሓ ቆነና ኣይፍጸምን እዩ።

11.ኣብ ሰሙነ ሕማማት ካህናት መስቀል ኣይሕዙን ብኢዶም ኮነ ብመስቀል ዉን ኣየሳልሙን እዮም።

12.ኣብ ሰሙነ ሕማማት ክንጽልዮ ዝግበኣና ጸሎት " መዝሙር ዳዊት 150 ምስ መሓሊየ መሓሊየ ዘሰለሞን ናይ ሰንበት ፡ ውዳሴ ማርያም ምስ ኣንቀጸ ብርሃን ይወድስዋን ናይ ሰሙን ምሉእ ኣቅሚ ተሃሊና ከነብጽሕ ይግባእ፡ኣብ ቤተ ክርስትያን ተኮይና ድማ ምስ ኣቦታት መዝሙር ዳዊትን ውዳሰ ማርያም ክዕድሉ ከለዉ ክንዕደል ክንሕግዞም ንክእል ኢና። ተወሳኪ ስለ ናይ ሕማማት ዝገልጽ መጽሓፍቲ ግብረ ሕማማት፡ ድርሳነ ማሕያዊ ብዓቢኡ ድማ ወንጌል ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቤተ ክርስትያን ይንበቡ። ዘይነብጽሖም ድርሳናት ፡ገድላት ፡ስንክሳር ድማ ኣይበጽሑን እዮም ኣብዛ ቅድስቲ ሰሙን ስለ ናይ ክርስቶስ መከራ ሕማሙን ጥራሕ እዩ።👏👏👏

13. ኣብ ሰሙነ ሕማማት 21 በዓለ ማርያም፡ 12 በዓለ ሚካኤል፡ 29 በኣለ ወልድ (እዝግሔር) ዋላ እንተኮነ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ይስገድ እዩ ።

14.ኣብ ሰሙነ ሕማማት ደረቱ ዝሓለፈ ስሓቅን ጸወታታትን ኣይግባእን፡ ኣቡኡ ወይ ኣዲኡ ሞይቶሞ ኣብ ሰሓቅን ጸወታን ዝርከብ መን እዩ፡ እዚ ሕማማት ድማ ምእንታና ክብል ዝሓመመን ዝተሳቀየን ዝተሰቅለን ጎይታ እንዳ ዘከርና ከነስተንትን ምእንታና ዝረከቦ ስቅያት እንዳ ዘከርና ምእንታና ዝተገብረልና ዝተፈጸመልና ውዕለት ናይ ጎይታ ብምስትንታን ክንዝከሮ ይግባእ።

15. ኣብ ሰሙነ ሕማማት ጾም ክሳብ ጸሓይ ትክወል ይብል ወይ ክሳብ ቤተ ክርስትያን ዝወደኣቶ ንጸውም ፡ዝከኣለ ድማ እክፍሎት (ጥልቀት) ክገብር ይክእል ኣክፍሎት ወይ ጥልቀት ማለት ድማ ሶኒ መግቢ ከይቀመሱ ሰሉስ ይምገቡ፡ ሰሉስ ዝበልዑ ክሳብ ሓሙስ ይጸንሑ፡ ሓሙስ ይምገቡ፡ ሓሙስ ተመጊቦም ድማ ክሳብ ቀዳም ይጸንሑ ቀዳም ናብ ሰንበት ዘውግሕ ትንሳኤ ድማ ይበልዑ ፡ ነዚ ኣክፍሎት ወይ ጥልቀት ዝጀመርዎ ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ ቅዱስ ሓዋርያ ዮሓንስን ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብን ኢዮም። ጎይታ ካን ሞት ክሳብ ዝትንስእ እክሊ ኣይንጥዕምን ብምባል ዝጾምዎ እዩ። እዚ ግን ንዝኽእሉ ጥራሕ እዩ ዓቅምና ሪኢና ።

16. ኣብ ግዜ ጾም ከምኡ ውን ኣብ ሰሙነ ሕማማት ሰብ ሓዳር ወይ መጻምድቲ ብምርድዳእ ናይ ክልቲኦም ካብ ስጋዊ ርክብ ክክልከሉ ይግባእ።
17. ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብዙሕ ጸሎትን ብዙሕ ስግዳንን እንዳ ገበርና ፍቃድ ናይ ስጋና ነድክመሉ ካብ ኣምላክና ምሕረት ንረክበሉ ካብ ደዊየ ስጋ ደዊየ ነብሲ ንፍወሰሉ ካብ እግዝኣብሔር ጸጋ ንረክበሉ ሰመያዊ ምስጢራት እንርእየሉ ሱባኤ እዩ ስለዚ ኩሉ ተከታሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዘበለ ክጸውም ይግብእ፡ ብዘይካ ብከቢድ ሕማምን ካሊእ ምክኒያትን ብኣባት ነብሶም ዝተፈቀደሎም ተዘይኮይኖም ኩሉ ሰብ ክጸውም ይግባእ።

18. ኣብ ቤተ ክርስቲያና ደቂ ተብዓቲዮ ናቶም ቦታ ደቂ ኣንስቲዮ ውን ናተን ቦታ ኣሎወን ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ቤተ ክርስቲያና ኣብ ገለ ትምህርተ ሰንበት ዝረኣይ ግን ምንጻፍ ኣንጺፍካ ኣወዳትን ኣዋልድን ተዳባሊቕካ ስግዳንን ብሓንሳብ ምውዓልን ይርኣይ እዩ እሞ ንነብስና ኣብ ፈተና ኣይነእቱ ቤተ ክርስቲያና ናይ ክልቲኡ ጾታ በበይኑ ዝፈለየቶ ብዘይ ምክኒያት ኣይኮነትን።

19. ኣብ ሰሙን ሕማማት ዝፍጸሙ ያሬዳዊ ዜማ፡
ሶኒይ ሰሉስ ረቡዕ #ብግእዝ ፡
ሓሙስ #ብኣራራይ ፡
ዓርቢን ቅዳምን #ብእዝል እዩ።

"ሰላም እግዝኣብሔር ኣምላክ ምስ ኩላትና ይኩን ኣሜን"
ኣምላክና ጸምናን ጾሎትናን ተቀቢሉ ጾምና ባሪኩ ብሰላም ኣፈጺሙ ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ የብጽሓና ኣሜን።

ስብሓት ለእግዝአብሔር ልዑል አሜን፫
06/08/2017 ኣ.ግ

Address

Tigray
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Digital Library ዲጂታል ቤተ መጻሕፍቲ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category