ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ- Tigray Education Bureau

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ- Tigray Education Bureau Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ- Tigray Education Bureau, Government Organization, Mekelle, Tigray, Mekelle.
(1)

ብምትሕብባር ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፣ ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ፣ ማሕበር ደቂ ስውአት ተጋደልትን ዘፈር ተጠቃምነት ክፍለ ከተማ ኵሓን ዝተአኻኸበ ናውቲ ትምህርቲ  ብሓገዝ ተበርኪቱ።ኢትዮ ቴሌኮ...
18/09/2026

ብምትሕብባር ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ፣ ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ፣ ማሕበር ደቂ ስውአት ተጋደልትን ዘፈር ተጠቃምነት ክፍለ ከተማ ኵሓን ዝተአኻኸበ ናውቲ ትምህርቲ ብሓገዝ ተበርኪቱ።

ኢትዮ ቴሌኮም ከምኡውን መንግስቲ ሰራሕተኛ ክፍለ ከተማ ኵሓን አብ ኵሓ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላትን 615 ደርዘን ደፍተር 948 እሰክርቢቶ 111እርሳስን 111 ላጲስን ብ597 ሽሕን 714 ብር ዓዲጎም ንፅጉማት ተምሃሮ አከፋፊሎም።

እቲ 550 ደርዘን ደፍተር ብኢትዮ ቴሌኮም ዝተበርከተ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ እዩ።

ብተመሳሳሊ ባንኪ ዳሽን ዲሰትሪክት መቐለን ሽረን ብ308 ሽሕን 400 ብር ዝዋግኦም ደፍተርን ቢሮን ንፅጉማት ተማሃሮ ኵሓ ዝሓገዙ እንትኾን፡እቲ ሓገዝ ንሕደሕድ ተምሃራይ 12 ደፍተርን ሰሰለስተ ቢሮን ተዓዲሎም አለው።

አብቲ እዋን ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል አማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ኵሓ ተጋ አብርሃ ንጉስ፡ እዚ ናውቲ ትምህርቲ ንምትእኽኻብ ብክፍለ ከተማ ደረጃ ኮሚቴ ተጣይሹ ዝተአከበ ኾይኑ ነቶም ናዉቲ ትምህርቲ ዝለገሱ ዘተሓባበሩ አካላትን ዝለዓለ ምስጋና አቕሪቦም።

ከም ክ/ከተማ ብሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ካብ መአዲ ትምርቲ ክርሕቕ የብሉን ነዚ ድማ ኩሉ ዝከአሎ ይገብር አሎ ተጠናኺሩ ክቕፅል አለዎ ብምባል ብፍላይ ንኢትዮ ተሌኮምን ባንኪ ዳሽንን ዲሰትሪክት መቐለን ሽረን ዝገበርዎ ሓገዝ ብሽም ህዝብን ምምሕዳርን ናእድኦም አቕሪቦም።

አብ መወዳእታ ሓገዝ ካብ ዝተገበረሎም ወለዲ ደቂ ስውአት ወ/ሮ ትርሓስ ተስፋይ፣አስኳል በላይን ርግአት ገ/መድህንን ዝተገበረ ሓገዝ ዝነኣድ ተግባር ምዃኑ ብምሕባር እቶም ደቂ ስውኣት አብ ናይ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃርሉ ዕድል ተዝሞቻቸየልና ክብላ ርኢቶ ሂበን ክብል ሓበሬታን ርክብን ክፍለ ከተማ ኲሓ ፀብፂቡ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንመላእ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።
11/09/2026

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንመላእ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም ክኾነልኩም ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።

04/09/2026
ፃውዒት ምዝገባ ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ  2019 ዓ.ም
01/09/2026

ፃውዒት ምዝገባ ተምሃሮ ዘበነ ትምህርቲ 2019 ዓ.ም

ብምኽንያት ደብዳባት ድሮንን ነፈርቲ ውግእን ኣብ ትምህርቲ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ መጉዳእቲ ኣመልኪቲ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ
27/08/2026

ብምኽንያት ደብዳባት ድሮንን ነፈርቲ ውግእን ኣብ ትምህርቲ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ መጉዳእቲ ኣመልኪቲ ካብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ

27/08/2026

መልእኽቲ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ውፅኢት ፈተና 12 ክፍሊ 2018 ዓ.ም

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጲያ ብዕለት 16/12/2018 ዓ/ም ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና ዘበነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ኣመልኪቱ መግለፂ ምሃቡ ይዝከር።

ትግራይ ኣብቲ ዘበነ ትምህርቲ ካብ ዘፈተነቶም ተምሃሮ ኣስታት 11.2% ዝኾኑ ተምሃሮ 50 ሚኢታውን ልዕሊኡን ከምዘምፅኡ ካብቲ ዝተውሃበ መግለፂ ምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ብድምር ዝተረኸበ ውፅኢት ትሑት ዋላ እንተኾነ ኣብ ልዕሊ በቲ ጂኖሳይዳዊ ኲናት ዘበፀሓና ዕንወትን ኪሳራን መንግስቲ ፌደራል ካብ ጥቅምቲ 2018 ጀሚሩ በጀት ብምኽልካሉ ናይ መምህራን መሃያ ብኣግባብቡን ብጊዚኡን ብዘይምኽፋሉ ዝተፈጥረ ፀገም፤ በቲ ኲናት ምኽንያት ንዝተፈጠረ ብኽነት ጊዜ ትምህርቲ ንምክሕሓስ ተምሃሮና ብዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ናይ 9ይን 10ይን ትምህርቶም ብሓደ ዓመት ዝወዱ ምኻኖም፤ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ሊዕሊ ተፈተንቲ ተምሃሮ ዝፈፀሞ በደልን ብብርኪ ሃገር ምስቶም ምንም ዓይነት ፀገም ዘይብሎም ተሓሳቢ ገይርካ እንትረአን ተሓጋጊዝና ንትምህርቲ ትግራይ ድጋፍ እንትንገብር ዝህሉ ዓቕሚ መርአዪ ኮይኑ ክውሰድ ዝኸእል እዩ።

ስለዝኾነ ብኩነታት ከይተሰኮንኩም ዝልዓለ ውፅኢት ንዘመዝገብኩም ተምሃሮ ዘለና ናእዳ እናገለፅና እዚ መሪር መጉዳእትን ማህሰይትን ተፃዊርኩም ተምሃሮና ናብ ፈተና ንክቐርቡ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ዝገበርኩም መምህራን፣ ኣመራርሓ ትምህርቲ፣ ወለድን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላትን በዚ ኣጋጣሚ ክነመስግን ንፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ዝርዝር መረዳእታ ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና ካብ ሚኒስተሪ ትምህረቲ ምስ በፅሐና ዝርዝር ትንታነ ውፅኢት እንህብ ምዃና እናገለፅና ምስ ውፅኢት ፈተና ተኣሳሲሩ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ጥርዓናትን ዘለኩም ተምሃሮ በዚ ሊንክ https://result.eaes.et/complaint እዚ ኣቢልኩም ክትሓቱን ብኣካል እውን ንርዕሳነ መምህራን ኣብያተ ትምህርትኹም ክተፍልጡን ንሕብር ።

ትምህርቲ መሰረት ሕውየትናን ብሄራዊ ረብሓናንን!

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ
21/12/2018 ዓ

Official portal to check Ethiopian Educational Assessment and Examination Services (EAES) results online. Enter your Admission Number and First Name to view your exam results.

Drone strikes by Federal Government of Ethiopia hit a secondary school in   at   Woreda, destroying ICT facilities with ...
27/08/2026

Drone strikes by Federal Government of Ethiopia hit a secondary school in at Woreda, destroying ICT facilities with 35 computers installed this year by the supported program. Serving 500+ students since 1999 E.C., this vital hub now lies in ruins.

There were no military targets, active combat, or armed presence anywhere nearby.

This is part of the deliberate, ongoing campaign to weaponize and destroy education in Tigray.

We strongly condemn this attack and call on the global community to demand accountability and end these targeted atrocities of historical proportions.

UNICEF Ethiopia European Union in Ethiopia African Union

መግለፂ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ
21/08/2026

መግለፂ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንመንግስታውን ዘይመንግስታውን አመራርሓ ኣብያተ ትምህርትን ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ መቐለን ዞባ ደቡብ ምብራቕን ኣብ ሓዱሽ መቓን ስርዓተ ትምህርቲ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ...
14/08/2026

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንመንግስታውን ዘይመንግስታውን አመራርሓ ኣብያተ ትምህርትን ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ መቐለን ዞባ ደቡብ ምብራቕን ኣብ ሓዱሽ መቓን ስርዓተ ትምህርቲ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ትግራይ መሰረት ዝገበረ ስልጠና ኣብ ምሃብ ይርከብ ።

ኣብቲ ስልጠና ተረኺቦም መልእኽቲ እንኳዕ ድሓን መፃእኹም ዘመሓላላፉ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶር. ኪሮስ ጉዑሽን ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ኣይተ ገ/ዮሃንስን ፍስሃን ኣብ መደረኦም ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀን ዝተፈፀመን ጆኖሳይዳዊ ኵናት ኣብ ትግራይን ህዝባን ሓደሽቲ ሓቅታትን ጠለባትን ምፍጣሮም፤ ንልዕሊ 16 ዓመት ከይተለወጠ ዝፀንሐ ነባር ስርዓተ ትምህርቲ ምስ ህልዊ ኩነታት ዓለም ዘይጥዓዓም፤ በዝተፈላለዩ ትካላትን ሙሁራትን ተፈቲሹ ሕፅረታት ስለዝነበሮን ብቐንዱ ድማ ዓለም ለኻዊ ለውጥታት ንምሕንፃፅ ሓዱሽ መቓን ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ምዃኖም ኣብሪሆም ።

ቀፂሎም እቲ ሐዱሽ መቓን ስርዓተ ትምህርቲ ናብቲ ሐዚ በፂሑሉ ዘሎ ብርኪ ንክበፅሕ ምድላው መቓን ፣ ምይይጥ ፣ ምምዕባልን ምፅዳቕን ፣ ምድላው ሲለበስን መፅሓፍትን ዝብሉ ብርክታትን ምዕራፋትን ከምዝሓለፈን ልዕሊ 700 ሰብ ሞያ ከምዝተሳተፉሉን ገሊፅም ።

ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ካብቲ ቅድም ኢሉ ኣብ ተግባር ዝነበረ ዕላማ-ተኮር ናብ ብቕዓት-ደረኽ ዝተቐየረ ምዃኑ ብምግላፅ ንተግባራውነቱ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብፅሒቱ ክዋፃእ እቶም ሓለፍቲ ፀዊዖም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሓዱሽ መቓን ስርዓት ትምህርቲ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ትግራይ ንከዳሎ ፣ ንክሕተምን ንትግበራ ንክበቅዕን ንዝገበሩ መሻርኽቲ ፣ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ኣመስጊኖም ።

ጉዳያት ርክብ ቢሮ ትምህርቲ
08/12/2018
መቐለ

10/08/2026

Address

Mekelle, Tigray
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ- Tigray Education Bureau posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ- Tigray Education Bureau:

Shortcuts

Share