ናፅነት - Tigrai Independence Party

ናፅነት - Tigrai Independence Party On this page, we share or exchange ideas regarding the movement for independence of Tigray.

13/06/2026

ም/ል ኣቦ መንበር ውድብና ብፃይ Alemseged Aregay ቅድሚ 10 ወርሒ ኣብ ላዛ ትግርኛ ትሕቲ ሰማይ ትግራይ ተረኺቡ ካብ ዝተዛረቦ ዝተወሰደ እዩ። ተዓደሙታ!

እዋናዊ መግለፂ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት)ውድብና ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት) ኣብ ማኒፌስቶኡ ብግልፂ ከም ዘቐመጦ፤ ካብ ሰናይ ጒሓቱ ጀሚሩ ወለዶ ብምንቃሕ፣ ብምውዳብን ብምውካልን፣...
10/06/2026

እዋናዊ መግለፂ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት)

ውድብና ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት) ኣብ ማኒፌስቶኡ ብግልፂ ከም ዘቐመጦ፤ ካብ ሰናይ ጒሓቱ ጀሚሩ ወለዶ ብምንቃሕ፣ ብምውዳብን ብምውካልን፣ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢ/ያ ብዝግበር ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ናጽነት ትግራይ ንምግሃድ ዓሊሙ ዝተመስረተን ተግባራዊ ቃልሲ ዝጀመረን ብሄርተኛ ውድብ እዩ። ብሰንኪ ጠገለ ኣልቦ ፍሽለት ጉጅለ ህወሓት ህዝብና ካብ ቁፅፅሩን ካብ ግምቱን ወፃእ ዝኾነ ናይ ፅንተት ኲናት እንትእወጆን እንትፍፀሞን እውን ውድብና ከም መጠን ሓቀኛ ብሄራዊ ውድብ ንፁር ዕላማ ሒዙ ኣካል መኸተ ኮይኑ ተቓሊሱን ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ከፊሉን እዩ። ዕላማ ህዝባዊ ቃልስና፡ ብቓልዕ ምግሃድ ናጽነት ትግራይ ክኸውን፤ እንኽተሎ ስልትን ስትራተጂን እውን ብሄራዊ ሓድነት ዓቂቡን፤ ብሄራዊ ዓቕምታት ኣኪቡን ናብ ናጽነት ዘምርሕ ክኸውን ይግባእ ኢሉ እውን ተንቲኑ፣ ሞጊቱን ተቓሊሱን እዩ።

ብፍላይ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ድማ "ናይ ሓፂር፥ ናይ ማእኸላይን ናይ ነዊሕን ስትራተጂካዊ ዕላማታት፣ መተኩሮታትን ኣንፈትን ቃልሲ ናጽነት" ዝብል መርሓ ጎዳና ኣነፂሩን በዚ መርሓ ጎዳና ተመሪሑን ዕቱብ ቃልሲ ኣካይዱ እዩ። ንኣብነት እዚ መርሓ ጎዳና መሰረት ብምግባር ኣብ ፖለቲካዊ ንፅረትን ስርፀትን፣ ዲፕሎማሲን ምሕዝነትን፣ ህንፀት ሰራዊትን ትካላዊ ስግግርን፣ ከምኡ እውን ኣድላይነትን ዓይነትን "ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ" ዝትንትን ሰነድ፥ ንብሄራዊ ዘተን ምርድዳእን ዝሕግዝ "ፖሊሲ - 00"፤ ትግራይ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ዝህልዋ ርክብ (ማለት እውን ናይ ትግራይ ናይ ወፃኢ ርክብ ዝምልከት) "ፖሊሲ ግቡጥ ሞንጎኝነት" ዝኣመሳሰሉ ዓበይቲ ስትራተጂካዊ ሰነዳት ኣማዕቢሉ፤ ታሪኽ ዝዝክሮም መርገፅታትን ኣንፈታትን ሒዙ ብመትከል ተቓሊሱ እዩ። እዚ ኹሉ ድማ "ቃልስና ካብ ሜዳ ናብ ሚድያ፥ ካብ ደባይ ናብ ኣደባባይ!" ተባሂሉ ኣብ መርሓ ጎዳና ቃልስና ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት ብዘይ ኲናት ብዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ፡ ውዕል ሰላም ፕሪቶሪያ ብምፍፃምን ዝተጎድአ ህዝብን ዓድን ብምሕዋይን ሕገ መንግስታዊን ተፈጥሮኣዊን መሰል ርእሰ ውሳነና ተጠቒምና ብዝተመረፀ ቤት ምኽሪ ኣቢልና ናጽነት ትግራይ ንምእዋጅ ዝዓለመ ሕጋዊ ቃልሲ እዩ።

ኮይኑ ግና "ወይ ኣነ ወይ ንስኻ" ካብ ዝብል ስሰዐ ወፃእ ካሊእ ኣምር ክርኢ ዘይኽእል፤ ልዕሊ ረብሓን ህልውናን ብሄር ጉጅላዊ ረብሓን ህልውናን ዘቐድም ማፍያ ጉጅለ፤ ዕላማና ይኹን ስትራተጂታትናን ፖሊሲታትናን ከም ፀጋ ዘይኮነስ ንጉጅላዊ ህልውንኡን ረብሕኡን ከም ሓደጋ ቆፂሩ ኣባላትናን መሪሕነትናን ከሳድድ እዩ መሪፁ። ብመስዋእቲ ዕሸላት ዝተረኽቡ ዕድላት ኩሎም ኣባኺኑ፤ ዝተፈጠሩ ዓቕምታት ኩሎም ሓሺሹ፤ ዓድን ህዝብን ካብ ውሽጢ ኣፍሪሱ፤ ትግራይን ደቂ ትግራይን በታቲኑ፤ ሰራዊት ኣብ ክልተ ሰለስተ ከፋፊሉ ከብቅዕ፤ ንዝሓተተ ኩሉ ኣፍ ኣፍ ልጓም ይብል ኣሎ። ይትረፍ ዶ ደፊሩ ዝሕንገጦ ብሄራዊ ራኢ፤ ከም ኣመሉ እኳ ህዝቢ ዘታልለሉ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይብሉ፤ ህዝባዊን ሕጋዊን ቅቡልነት ሓሪሙዎ፤ ዲፕሎማሲያዊ ተነፅሎ እውን ገጢሙዎ፤ ኮነ ኢሉ ምስ ሕዱራት ተፃባእቲ ብሄራዊ ህላወ ትግራይ ዝኾኑን ብዓለም ዝተፈንፈኑን ሓይልታት ተፀሚዱ፤ መሬትና ብውሩሩ ህዝብና ብብትኑ እንደገና ህዝብን ዓድን ብልሓቱን መወዳእትኡን ኣብ ዘይፍለጥ ኲናት ከሳውር ይህንደድ ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ትግራይ ንፈለማ ግዘ ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ናብ መሸጣን ዕስክርናን ኣውፊሩ መሕፈሪ ታሪኽ የመዝግብ ኣሎ፤ መናእሰይ ትግራይ ኣደዳ ንመርድእ እኳ ዘይጥዕም ሞት ይገብሮም ኣሎ። ዓገብ ዘዝበለ ክኣስርን ክቐትልን ድማ ሕጊ ኣራዊት (ሕጊ ሻዕቢያ) ኣብ ትግራይ ይትግብር ኣሎ።

ብሽም እቲ ዘይኣምነሉን ዕድመ ልክዑ ንስልቲ ተተጠቒሙ እናደርበዮ ዝመፀን "ብሄርተኝነትን ናጽነትን ትግራይ"፡ ዕሸላት ትግራይ ከሰልፍን መጋበርያ ጥፍኣቱ ክገብርን፤ ውድብ ናጽነት ትግራይ እውን ነጋሪት ብልሓቱ ዘይፍለጥ ኲናት ክገብርን ብምድላይ፤ ኣብ ልዕሊ ውድብና ዝጀመሮ ዝተዋደደ ውዲትን ወፍርን ሳላ ዘይሕለል ቃልሲ መላእ ኣባላትን በቢ ብርኩ ዘለው ኣካላት መሪሕነትን ስለ ዝፈሸሎ ብግልፂን ብስውርን ኣብ ልዕሊ መሪሕነትን ኣባላትን ውድብና ሰፍ ዘይብል በደል ፈፂሙን፤ ይፍፅም ኣሎን፡ ቤተ ሰብ የሳቒ፤ ኣባላትን ኣመራርሓን ይሃድን፤ ይኣስር፤ ይገርፍ፤ ካብ ስራሕን መሃያን ይእግድ፤ ቀቲሉ ይድርቢ ኣሎ።

ዝኸበርኩም/ክን ኣባላትን ደገፍትን ናጽነት፡

ውድብና ካብ ሰናይ ጒሓቲ ጀሚሩ ዝተሓንገጦ ገዚፍ ዕላማ ናጽነትን፤ እዚ ዕላማ ንምዕዋት ዝነፀሮ ስልትን ስትራተጂን ቃልሲን ኣብ ማኒፌቶኡ ብዘየሻሚ መልክዕ ኣነፂሩ ዝሓደረ እዩ። ሕጋዊ ውድብ ኮይኑ ንክምዝገብ ምስ ቦርድ መረፃ ኢ/ያ ዝነበሮ ኣድካሚን ህልኽ ዘወድእን ውፃእ ውረድ ሓሊፉ፤ ሕጋዊ ከይዲ ተኸቲሉን ተወከልቲ ቦርድ መረፃ ኣብ ዝተረኸቡሉን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2016 ኣ/ግ ዕዉት ሓፈሻዊ ጉባኤ ከም ዘካየደን፤ እዚ ጉባኤ ስዒቡ ድማ ኣብ ወርሒ ሰነ 05/2016 ኣ/ግ ሕጋዊ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበን ዝፍለጥ እዩ፤ እነሆ ድማ ሰነ 05/2018 ኣ/ግ ካልኣይ ዓመት መሊእዎ ኣሎ። ውድብና ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት) ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፍፁም ሕጋዊ ኮይኑ ማኒፌስትኡ፣ ሕገ ደንቡን በቢግዚኡ ዘፅደቖም ስልቲ፣ ስትራተጂን መርሓ ጎደናን ቃልሲ መሰረት ጌሩ ዝተመስረተሉ "ናፃን ሉእላዊትን ሃገረ ትግራይ" ናይ ምግሃድ ዕላማ ሸኺሉ፤ ኣብ ማኒፌስትኡ ብግልፂ ዝነፀሮ "ፍፁም ሕጋዊን ሰላማዊን ስልትን ስትራተጂን ቃልሲ" ኣፅኒዑ፤ ዕቱብን መትከላውን ቃልሲ ከካይድ ፀኒሑን ኣሎን። ኮይኑ ግና ጉጅለ ህወሓት ንባዕሉ ናይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ቅልውላው ምስ ገጠሞ፤ ካብ ውሽጢ መሪሕነትና ከምኡ እውን ኣብ ውድባዊ ቃልሲ ዘየለው ደገፍቲ ፅምዶን ዕሉላት ኣዳኸርቱን ኣዋዲዱ፤ ውድብና ከም ውድብ ኣሰር ዕብዳኑን ናይ ስትራተጂ ዕውራኑን ተኸቲልና፤ ስልትን ስትራተጂን ቃልስና ክንክልስን "ካብ ቦርድ መረፃ ኢ/ያ ንፅበዮ ኣፍልጦ የለን፤ ... ... ዘለና ርክብ እውን ጠጠው ኣቢልና ኣለና፤ ህወሓት ናይ መኸተ ሓይሊ እዩ፤ ... ... ኲናት [ህወሓት] ፍትሓዊ ኲናት እዩ፤ ፅምዶ ናይ ህዝብታት ርክብ እዩ፤ ወዘተርፈ" ክንብል እውን ሓያል ፀቕጢ፣ ምፍርራሓት፣ ከምኡ እውን ማእለያ ዘይብሎም ትርጉም ብፃይነት፥ ክብሪ ትግራውነት፥ ጨና ሰብኣውነት ዝበሃል ዘይብሎም ታራ ፀለመታትን ሽርሒታትን ተጌሮምን፤ ይግበሩ ኣለውን።

ፈፃሚ ስራሕ ናጽነት ብዕለት 06/09/2018 ኣ/ግ ዝሃቦ መዘኻኸሪን መተሓሳሰቢን፤ ከምኡ እውን ሓለዋ ናጽነት ብዕለት 07/09/2018 ኣ/ግ ዝሃቦ ገምጋምን ኣንፈትን ነፂጎም፤ ብዕለት 15/09/2018 ኣ/ግ ናይ ውድብ ባነር ኣመሳሲሎም (forged) ኣሐቲሞም፤ ሚድያታት ናብ ሆቴል ዓዲሞም፤ ብውድብ ሽም "ውድብ ፈሪሱ እዩ" ኢሎም ክእውጁ ሰሚዕና። መገዛ ብፆትና ብውሽጥን ብደገን ተዋዲዶም ኣብ ልዕሊ በቢብርኩ ዘሎን ኣብ መትከሉ ዝፀንዐን መሪሕነትና ጭቡጥ ናይ ድሕንነት ስግኣት ፈጢሮም ኣደዳ ከርተት ጌሮም ከብቅዑ፤ ኣበይ ከም ዘለው ኣይንፈልጥን ኢሎም። ኣባላት ቤት ምኽሪ ናጽነት፡ ገሊኦም ናብራኦም ኣብ መቐለ ዘይኮነ፤ ገሊኦም ብሰንኪ ስርዓት ህወሓት ፍቖዶኡ ኣናተንከራተቱ ይቃለሱ ዘለው፤ ገሊኦም ውድብ ንምግማዕ ዝዓለመ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ንምግባር ኣብ ዝተጀመረ ወፍሪ ኣይንሳተፍን ስለ ዝበሉ “ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣበይ ከም ዘለው ኣይንፈልጥን" ኢሎም፤ ብፆትና ዝገበርዎን ይገብርዎ ዘለውን መሪር ቃልሲ፣ ዝኸፈልዎን ይኸፍልዎ ዘለውን ከቢድ ዋጋን ጉባኤ ዝሃቦም መዝነትን ክሒዶም፤ ተገልቢጦም "ብክለሳ" ከሰስቲ፤ ትግራውነት ዓደልቲ፤ ናይ ብሄርተኝነትን ቃልሲ ናጽነትን ሰርቲፊኬት ዓደልቲ ኮይኖም ርኢና።

በዚ ምኽንያት ድማ ፈፃሚ ስራሕ ናጽነት ብዕለት 18/09/2018 ኣ/ግ ተኣኪቡ ኣብዚ ጉዳይ ብጥልቀት መኺሩን ኣንፈት ኣቐሚጡን እዩ። እዞም "መጋበርያ ኲናት ጉጅለ ህወሓት እንተዘይኮንና ሞይትና ንርከብ" ኣለና ዝብሉ ዘለው ሰባት ካብ ዕንደራ (Adventure) ወፅዮም ናብ ቀልቦምን ናብ ውድባዊ መስርሕን (ማለት እውን ናብ ሕገ ደንቢን ናይ ውድብና ናይ ውሳነ ኣካላት ምኽባርን) ክምለሱ እዮም ብዝብል ብፃያዊ/ብሄራዊ ሓልዮት እኳ እንተተዓገስና፤ ንሳቶም ግና ምስ ጉጅለ ህወሓትን ኣዳኸርቱን ዝተናበበ ውድብ ናይ ምግማዕ ከይዲ ኣጠናኺሮም ቀፂሎሙሉ እዮም። ቦርድ መረፃ ዘይፈልጦ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ጌርካ እግሪ እግሪ ጉጅለ ህወሓት እናሰዓብካ ነጋሪ ኲናት ፅምዶ ንምዃንን ብሽም ናጽነት መናእሰይ ብልሓቱ ናብ ዘይፍለጥ ኲናት ንምስዋርን ብግዘ የለን ስምዒት ይረባረቡ ኣለው። ስለዝኾነ ድማ ፈፃሚ ስራሕ ናጽነት ብዝመኸሮ ብሕገ ደንቢ ናጽነት (ዓንቀጽ 42/7) መሰረት ዝምልከቶ ኣካል ዕልባት ክሳብ ዝገብረሉ፡

1) ዶ/ር ገ/መድህን ሮምሃን፥

2) ኣይተ ገ/ስላሰ ካሕሳይን ካብ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት) ተኣጊዶም ኣለው።

ኣመራርሓ ኩለን ክላስተራት፣ ወረዳታት፣ ጣብያታት፥ ከምኡ እውን መላእ ኣባላትን ደገፍትን ውድብና፡ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ ናይ እግድ ደብዳበ ካብ ዝተውሃቦም ዕለት (ግንቦት 29/2018) ጀሚሩ ዝገብርዎ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንውድብና ከም ዘይውክል ፈሊጥኩም፤ ብተወሳኺ ድማ ቅድም ኢሉ ብግድፈት ዲሲፕሊን ዝተኣገደ ኣይተ ኣቤል ገ/መድህንን፤ ካልኦት ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ውድባዊ ቃልሲ ዘግለሱን ብኣንፃሩ ዝተሰለፉን ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው ኣካላት "ሕጊ ባዕሉ ይፈልጥ፥ ፖለቲካ ባዕሉ ይፈልጥ" ኢሎም ናይ ኲናት ዕንደራ (Adventure) ከሰራስሩ፤ ንኣባላትን በቢብርኩ ዘለው መሪሕነትን ውድብና ዝኸኣልዎ ከደናግሩ፥ ከደናግርዎ ዘይከኣሉ ድማ "መቓልስትኹም ፍለጡ፥ ናይ ድሕንነት ከለላ ክንገብረልኩም ኢና፥ እንተዘይኮይኑ ግና ንዝፍጠር ነገር ሓላፍነት ባዕልኹም ትወስዱ" እናበሉ የፈራርሑን፤ ቦርድ መረፃ ዘይፈልጦን ዘይሕጋዊን ጉባኤ ክገብሩ ይህንደዱን ዘለው ምዃኖም ተረዲእኩም፤ ኣብ ሕገ ደንቢን ትካላዊ መስርሕን ውድብና ክትፀንዑ፤ ከምኡ እውን ናይ ውድብና ናይ ውሳነ ኣካላት ዝህብዎ ኣንፈት ጥራሕ ክትክተሉን፤ መጋብርያ ኲናት ጉጅለ ህወሓትን ፅምዶን ካብ ምዃን ዓርስኹምን ወገንኩምን ከተድሕኑን ፈፃሚ ስራሕ ናጽነት የተሓሳስብ።

ኲናት ጉጅለ ህወሓት ኣይኲናትናን!

ናፅነት - ንብሄራዊ ክብረት!

ውድብ ናጽነት ትግራይ (ናጽነት)
ሰነ 03 / 2018 ኣ/ግ
መቐለ፡ ትግራይ

09/06/2026

ኣቦ መንበር ውድብና ብፃይ ዶ/ር ደጀን ቅድሚ 4ተ ወርሒ ካብ ዝተዛረቦ ዝተወሰደ እዩ። ተኣንገዱታ!

08/06/2026

ም/ል ኣቦ መንበር ውድብና ብፃይ Alemseged Aregay ቅድሚ 10 ወርሒ ካብ ዝተዛረቦ ዝተወሰደ እዩ። ተዓደሙታ!

06/06/2026

ሓላፊ ቤት ፅሕፈትን ፈፃሚ ስራሕን ውድብና ብፃይ Teame Hagos Gebru ቅድሚ 4ተ ወርሒ ኣክሱማውያን ሚድያ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ ተረኺቡ ካብ ዝተዛረቦ ዝተወሰደ እዩ። ተዓደሙታ!

Address

ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስትያን ካቴድራል ናብ ዓዲሓውሲ መዕፀፊ ኣሰፋልት
Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ናፅነት - Tigrai Independence Party posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to ናፅነት - Tigrai Independence Party:

Share