Indaab tsahma communication office

Indaab tsahma communication office እዚ ድሕረ ገፅ ብዝተከኣለ መጠን ሓፈሻዊ ምንቅስቃስ ናይ ምም?

እዛ ንእስቲ ትሙት ዶ ትድሓን? ውሳነኡ ኣብ ኢድና እዩ!ሼር ምግባር እውን ዓባይ ሓገዝ እያ!​"ህይወት ገነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክትኣቱ ኣይግባእን!"​ሓብትና ገነት ጊደይ ምስ ሞት ትቃለስ ኣላ።...
04/05/2026

እዛ ንእስቲ ትሙት ዶ ትድሓን? ውሳነኡ ኣብ ኢድና እዩ!
ሼር ምግባር እውን ዓባይ ሓገዝ እያ!

​"ህይወት ገነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክትኣቱ ኣይግባእን!"

​ሓብትና ገነት ጊደይ ምስ ሞት ትቃለስ ኣላ። ክሳብ ሕጂ ርክክብን ጻዕርን ልዕሊ 835,000 ብር ተኣኪቡ ኣሎ። እዚ ቀዳማይ ዙር ወፈያ፣ ንገነት ናይ ህይወት ተስፋ ዝዘርአን ንብዙሓት ዘተባብዐን እዩ። ብስም ስድራቤት ገነት፣ ንኹሉኹም ቀዳማይ ዙር ዝኸፈልኩምን ዘተሓባበርኩምን ካብ ልቢ ነመስግን።

​እንተኾነ ግን፣ እቲ ንሕክምና ዘድሊ 1.5 ሚልዮን ብር ገና ኣይተመልአን። እቲ ሕማም እናገደዳ፣ ግዜ ድማ እናሓጸረ ይኸይድ ኣሎ። ሎሚ ደው እንተበልና፣ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ከንቱ ክተርፍ እዩ።

​ከም ኣብነት ኣይተ ተስፋይ ገብረክርስቶስ ንጥቀስ፤ ንሶም ቀዳማይ ዙር ሓጊዞም ከይኣከሎም፣ እቲ ጸገም ከቢድ ምዃኑ ብምርዳእ ዳግማይ ንካልኣይ ግዜ ሓጊዞም እዮም። እዚ እዩ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግባኣና! እቲ ጸገም ንዓና እውን ይጸልወና እዩ፣ ግናኸ ህይወት ሓብትና ካብ ኩሉ ይበልጽ።

​ስለዚ፣ ሎሚ ካልኣይ ዙር ወፈያ ብወግዒ ንጅምር ኣለና!

​ንዝሓገዝኩም፦ ከም ኣይተ ተስፋይ፣ ነቲ ዝጀመርናዮ ናይ ህይወት ኣድሕን ስራሕ ንምፍጻም ድገሙልና።

​ዘይሓገዝኩም፦ እዛ ተምሃሪት ንኽትድሕን ናትኩም ኢድ ትጽበ ኣላ። ሎሚ እንተዘይበጺሕናላ፣ ጽባሕ ክንጠዓስ ንኽእል ኢና።

​በጃኹም፣ ንመላኣያ! ንገነት ካብ ሞት ነድሕና!

​ናይ ባንኪ ሕሳብ (Account Numbers):

​ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ (CBE): 1000402020362 (ተወልደ መንግስት)

​ወጋገን ባንኪ (Wegagen): 0787451031701 (ስምረት ጊደይ)

​ኣንበሳ ባንኪ (Lion Bank): 0031198690574 (ሙሉ መንግስት)

ህፁፅ ሓገዝ - ደሃይ ሓፍትና ንምርካብ ተሓባበሩና! ‎​"ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!"‎ነዛ ኣብ ስእሊ እትርእይዋ ዘለኹም ንእስቲ ሓፍትና ወ/ሪት ሃይማኖት ብርሃነ ኣለማየሁ ደሃያ ንምርካብ ክትሕግ...
30/04/2026

ህፁፅ ሓገዝ - ደሃይ ሓፍትና ንምርካብ ተሓባበሩና!
‎​"ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ!"
‎ነዛ ኣብ ስእሊ እትርእይዋ ዘለኹም ንእስቲ ሓፍትና ወ/ሪት ሃይማኖት ብርሃነ ኣለማየሁ ደሃያ ንምርካብ ክትሕግዙና ንምሕፀን።
‎​ሃይማኖት ነባሪት እንዳባ ፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ጣብያ ማይ ጨቀምጠ ኮይና ካብ ዕለት 14/08/2018 ዓ/ም ጀሚራ ደሃያ ስለዘጥፋአት፤ ወለድን ኣሕዋትን ኣብ ዓቢ ጭንቀት ይርከቡ።
‎​በጃኹም ዝኾነ ዝረኣያ ወይ ጭቡጥ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ በዞም ስልከታት ደዊሉ የፍልጠና፦
‎​📍 ወላዲኣ፦ ሓ/ምኢቲ ብርሃነ ኣለማየሁ — 0996036717
‎📍 ሓዋ፦ ኣታኽልቲ ብርሃነ — 0903359535
‎​ሓደ ሼር (Share) ንዓኻ ሰከንድ እያ ንቤተሰባ ግን ተስፋ እያ!
‎​ፈጣሪ ንሓፍትና ብሰላም ናብ ቤተሰባ ይመልሳ!

30/04/2026

With Weldemhret Gezae – I just got recognized as one of their top fans!

29/04/2026
‎ዝቀፀለ......‎ ናይ ተፈናቀልቲ መድረኽ‎ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ  ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ተዓቂቦም ዝርከቡ ተፈናቐልቲ "ሕገ-መንግስታዊ መንግስትና ተመሊሱ ናብ መረበትና ክንኣቱ ንደሊ" ክብ...
29/04/2026

‎ዝቀፀለ......
‎ ናይ ተፈናቀልቲ መድረኽ
‎ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ተዓቂቦም ዝርከቡ ተፈናቐልቲ "ሕገ-መንግስታዊ መንግስትና ተመሊሱ ናብ መረበትና ክንኣቱ ንደሊ" ክብሉ ፀዊዖም።

‎​ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ "ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ መድረኽ፣ ሎሚ ድማ ካብ ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ተፈናቒሎም ንዓመታት ኣብቲ ከተማ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ሓሳቦም ገሊፆም።
‎​እቶም ተፈናቐልቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዘሕልፍዎ ዘለዉ እዋን፣ ብጥንኩር ጥሜት፣ ቁሪ፣ ሕማምን ሞትን ይሳቐዩ ከምዘለዉ ገሊፆም። ብፍላይ ድማ ኣዴታትን ህፃውንትን ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ከምዘለዉ ብምሕባር፣ እቲ ሐዚ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ናብ መረበቶም ንምምላስ ተስፋ ዝህብ ስለዝኾነ ብሙሉእ ድምፂ ደጊፎምዎ ኣለዉ።

‎​ከንቲባ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣይተ ገብረ ተክለሃይማኖት ብወገኖም፣ እቶም ተፈናቐልቲ ወገናት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሓሰረ መከራን ፀገምን ብዝርዝር ብምግላፅ፣ እቲ ብህዝቢ ዝተመረፀ ቤት ምኽሪ ትግራይ ናብ ስርሑ ምምላስ ንፀገማት እቶም ተመዛበልቲ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሕ ሕጋዊ ሓላፍነት ዝስከም ኣካል ከም ዝህሉን ልኡላውነት ትግራይ ተኸቢሩን ወረርቲ ሓይልታት ወፂኦምን ህዝብና ናብ መረበቱ ንምምላስ ዝግበር ቃልሲ፣ ብሕጋዊ መንግስትን ማእኸላይ ኮማንድን ክምራሕ እንተሎ ዝሓሸ ውፅኢት ከምዘምፅእ ገሊፆም።


ዝቀፀለ.....መድረኽ "ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና" ብህዝባዊ ወነን ቆራፅነትን ኣብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ይቕፅል ኣሎ‎‎​ "ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ትማሊ ዝተጀመረ ...
28/04/2026

ዝቀፀለ.....
መድረኽ "ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና" ብህዝባዊ ወነን ቆራፅነትን ኣብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ይቕፅል ኣሎ

‎​ "ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ትማሊ ዝተጀመረ ናይ ዘተ መድረኽ፣ ሎሚ ድማ ብብርኪ ከተማ ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሓቖፈ ሰፊሕ ህዝባዊ መድረኽ ብድምቀት ተካይዱ።
‎ኣብዚ መድረኽ ነባራት ዓቕምታት፣ ሰብ ዋና ቃልሲ ዝኾና ዋዕሮታት ደቂ ኣንስትዮ፣ ሃርበኛታት፣ መናኣሰይ፣ ነጋዶን ተመዛበልቲ ወገናትናን ብዝለዓለ ወነን ተሳትፎን ተረኺቦም።
‎​እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ እቲ ሰነድ ንህሉው ሓደጋ ህልውና ትግራይ ዝምጥን ምዃኑ ብምርግጋፅ
‎​ሕገ-መንግስታዊ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቱ ዘረጋገፆ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ክጥቀምን ዝመረፆ ቤት ምኽሪ ናብ ስርሑ ክምለስን ብምሉእ ድምፂ ወሲኖም።
‎ከንቲባ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣይተ ገብረ ተክለሃይማኖት ብወገኖም ​ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ዘኽእሉ ምእኹልን ሕጋውን ውሳነታት ንምሃብ፣ እቲ ዝተመረፀ ቤት ምኽሪ ወሳኒ ምዃኑ ብምፍላጥ
‎​ ትግራይ ንምብታን ብሽም ሪፈረንደምን መረፃን ዝፍተኑ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ብሓባራዊ መኸተ ፈሽልና
‎​ ተፈናቐልቲ ወገናትና ድሕንነቶም ተሓልዩ ናብ መረበቶም ክምለሱ እዋናዊ ስራሕ መኸተ ክኸውን አገንዚቦም።

‎​እዚ ኣብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝተኻየደ መድረኽ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሃገራዊ ረብሓታቱን መሰል ዓርሰ-ውሳንኡን ዘይደራደር ምዃኑ ዳግም ዘረጋገፀሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ተዛዚሙ ኣሎ።

‎መንግስቲ ሰራሕተኛታት እንዳባፃሕማ፦ " ዝተወንዘፈ ሕገ-መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ስርሑ ክምለስ ኣለዎ" ክብሉ ወሲኖም‎​ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝ...
27/04/2026

‎መንግስቲ ሰራሕተኛታት እንዳባፃሕማ፦ " ዝተወንዘፈ ሕገ-መንግስታዊ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናብ ንቡር ስርሑ ክምለስ ኣለዎ" ክብሉ ወሲኖም
‎​ኣብ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝርከቡ መላእ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ “ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና” ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ዝቐረበ ሰነድ ድሕሪ ሰፊሕ ዘተ ምክያዶም፣ 100% ብምሉእ ድምፂ ዝፀደቐ ታሪኻዊ ውሳነ ኣመሓላሊፎም።
‎​እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ዘሕለፍዎ ውሳነ፣ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሰንኪ ፋሽስታዊ ኣካይዳ ስርዓት ብልፅግና ብግልፂ ፈሪሱ እዩ። ስለዚ ድማ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ፣ ሕጋውነትን ቅቡልነትን ዘለዎ ስሩዕ መንግስታዊ ስርዓት ክህሉ ምግባር እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።

‎​ከንቲባ ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ኣይተ ገብረ ተክለሃይማኖት ​ ኣብ 2012 ዓ.ም ብኣስታት 2.8 ሚሊዮን ህዝቢ ዝተመረፀ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ መግለፂ ልኡላዊ ስልጣን ህዝቢ ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክምለስ ከምዘለዎን
‎​ ንሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ንምስራዝ ዝተገበረ ምንቅስቓስ፣ ንጥንኩር ፖለቲካዊ ውዳበ ህዝቢ ትግራይ ንምብታን ዝዓለመ ብምዃኑ፣ እቲ ውሳነ ተሰሪሑ ስሩዕ ምንቅስቓስ ክጅምር ዝጠልብ እዩ ክብሉ ገሊፆም። ብተወሳኪ ​እቲ ቤት ምኽሪ ናብ ስራሕ ብምምላስ፣ ንናይ መኸተ ዓቕምታት ዝሓቁፍ ፈፃሚ ኣካልን ንመኸተ ዝመርሕ ማእኸላይ ኮማንድን ብሕጊ ንምጥያሽ ዘኽእል ስልጣን ከምዝህሉን ​ብተወሳኪ ወረርቲ ሓይልታት ካብ መሬት ትግራይ ወፂኦም፣ ተፈናቐልቲ ህዝብና ናብ መረበቶም ክምለሱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ፍትሒ ከም ዝረጋገፅን ወሲኾም ኣረጋጊፆም።

‎ኣብ​ መወዳእታ እዚ ኣብ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ዝተመሓላለፈ ውሳነ፣ መንግስቲ ዘይብሉ ብሄራዊ መኸተ ክምራሕ ስለዘይኽእል፣ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ትግራይ ናብ ንቡር ብምምላስ ንዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ብሓባር ንምምካት ዘኽእል ስጉምቲ ምዃኑ እቶም ሰራሕተኛታት ገሊፆም።

‎እንዳባፃሕማ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን
‎19/ያዝያ 2018 ዓ/ም

ርሑስ በዓል ፋሲጋ!‎​ንኹሉኹም ኣመንቲ ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ፋሲጋ ብሰላም ኣብጽሓኩም እናበልኩ፤ እዚ በዓል እዚ ንኹላትና ብሓጎስን ብሰላምን ንክሓልፍ ይምነ።‎‎​በዓል ፋሲጋ ካብ ብልዕን...
11/04/2026

ርሑስ በዓል ፋሲጋ!
‎​ንኹሉኹም ኣመንቲ ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ፋሲጋ ብሰላም ኣብጽሓኩም እናበልኩ፤ እዚ በዓል እዚ ንኹላትና ብሓጎስን ብሰላምን ንክሓልፍ ይምነ።

‎​በዓል ፋሲጋ ካብ ብልዕን መስተን ንላዕሊ ናይ ምትሕግጋዝን ናይ ፍቕርን በዓል እዩ። ስለዚ ኣብ ጎረባብትና ንዘለው ዓቕመ ደካማታት፣ ህጻውንቲ ንዝሓዛ ኣዴታት፣ ኣረጋውያንን ካልኦትን ንዝተጸገሙ ወገናትናን ብምሕጋዝን ብምዝካርን ክኸውን ይግባእ።

‎​በዓሉ ናይ ሰላምን ናይ ምርድዳእን ይግበረልና!

‎ሼር ብምግባርን ብዝኸኣልናዮ ብምሕጋዝን ሂወት ነድሕን!‎‎ሩህሩህ ልቢ ንዘለኩም ኩሉኹም ኢትዮጵያውያንን ደቂ ሰብን ዝቐረበ ህጹጽ ናይ ረድኤት ጻውዒት!‎‎​እዛ ኣብ ስእሊ እትርእይዋ ዘለኹም ...
09/04/2026

‎ሼር ብምግባርን ብዝኸኣልናዮ ብምሕጋዝን ሂወት ነድሕን!

‎ሩህሩህ ልቢ ንዘለኩም ኩሉኹም ኢትዮጵያውያንን ደቂ ሰብን ዝቐረበ ህጹጽ ናይ ረድኤት ጻውዒት!

‎​እዛ ኣብ ስእሊ እትርእይዋ ዘለኹም ንእስቲ ገነት ጊደይ ትበሃል፤ ጓል 18 ዓመት ኮይና ናይ ትምህርቲ ገጽ ክትሪእን ተስፋ ስድርኣ ክትከውንን ኣብ ዝግበኣ ዕድመ፡ ብኸቢድ ናይ ልቢ ሕማም (Severe Chronic Rheumatic Valvular Heart Disease) ትሳቐ ኣላ።
‎​ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ብምዃኑ፡ ብህጹጽ ናይ ልቢ መጥባሕቲ (Surgical Mitral Valve Repair) ክግበረላ ብሓካይም ተወሲኑ ኣሎ። ነዚ ሕክምና እዚ ድማ 1,500,000 (ሓደ ሚልዮን ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ) ብር የድሊ ኣሎ።
‎​ስድርኣ እዛ ቆልዓ ነዚ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ወጻኢ ክሽፍኑ ዓቕሚ ስለዘይብሎም፡ እዛ ንእስቲ ካብ ሞት ተሪፋ ናብ ጥዕናኣ ክትምለስ ናይ ኩሉኹም ለጋሳትን ርህሩሃትን ሓገዝ ትጽበ ኣላ።
‎​
‎ (Bank Account)
‎​ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ (CBE): 1000402020362 (ተወልደ መንግስት)
‎​ወጋገን ባንኪ (Wegagen): 0787451031701 (ስምረት ጊደይ)
‎​ኣንበሳ ባንኪ (Lion Bank): 0031198690574 (ሙሉ መንግስት)
‎​በጃኹም እዚ መልእኽቲ እዚ ንብዙሓት ክባጻሕ Share ብምግባር ተሓባበሩና።

ሕቶ መንበሪ አባይቲ ንምምላስ አብ ምምሕዳር እ/ፃሕማ ከተማ ዕ/ዓርቢ 318 አባላት ዘለውወን 15 ሕ/ስ/ ማሕበራት ዕደላ መንበሪ ቦታ ተኻይዱ።አብተን ማሕበራት ፡ ስ/ስውአት ፣ ምልስ ተጋደል...
08/04/2026

ሕቶ መንበሪ አባይቲ ንምምላስ አብ ምምሕዳር እ/ፃሕማ ከተማ ዕ/ዓርቢ 318 አባላት ዘለውወን 15 ሕ/ስ/ ማሕበራት ዕደላ መንበሪ ቦታ ተኻይዱ።

አብተን ማሕበራት ፡ ስ/ስውአት ፣ ምልስ ተጋደልቲ ሃርበኛታት ፣ አካለ ጉድአት ፣ መምሃራንካልኦት ሰ/መንግስትን ከም ዝተኻተቱ ተገሊፁ ።

ነቲ ዕደላ መሰረት ጌሮም መልእኽቲ ዘሕለፉ ከንቲባ ምምሕዳር እ/ፃሕማ ከ/ዕ/ዓርቢ አይተ ገብረ ተክለሃይማኖት ፤ ብሰሪ ዘጋጠመ ወድዓዊ ኩነታት ንነዊሕ እዋን ከይተመለሰ ዝጸንሐ ሕቶ ሎሚ መዕለቢ ከምዝረኸበ ገሊፆም ።

ንኹሉ ብድሆታት ክኢልና መንበሪ ገዛ ዝተፀገመ ሕ/ሰብና ሎሚ ክንፈትሕ ምኽአልና ዓብዪ ፍናን እናተሰመዐና ፤ ፀገም ሕ/ሰብና ንምፍታሕ ቀፃሊ ብዝኾነ መንገዲ በርቲዕና ክንሰርሐሉ ኢና ድማ ኢሎም ።

አተሓባባሪ ከ/ስራሕ ምሕደራን አጠቓቕማን መሬት ምምሕዳር እ/ፃሕማ ከ/ዕ/ዓርቢ መምህር ሃይላይ ገ/ትንሳኤ ፤ መቐጸልታ ናይቲ ክንዕድሎ ዝጸንሓና ስ/ስውአትን ሃርበኛታትን ፡ ሎሚ ብማሕበር ንዝተወደቡ ወገናትና ዕደላ መንበሪ ቦታ ነካይድ አሎና ኢሎም ።

እቲ ዕደላ ፡ ድሕሪ ብዙሕ ምጽራይ 318 አባል ዝርከበን 15 ዝተወደባ ማሕበራት ንነብሰ-ወከፍ 140 ካሜ ከም ዝኾነ ገሊጾም ።

ተጠቀምቲ እቲ ዕድል ብወገኖም ፡ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት አብ ገዛ ኽራይ ምንባርን ሕቶና ምምላሱ ሕጉሳት ኢና ብምባል ንዝተገብረሎም ዕድል ብምምስጋን ንኻልኦት ወገናት እዝ ዕድል ክረኽቡ ተመንዮም ።

ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እ/ፃሕማ

Address

Inda Aba Ts'ahma

Telephone

+251914487923

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Indaab tsahma communication office posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Indaab tsahma communication office:

Share