15/05/2026
ምምሕዳር ከተማ ሓውዜን ን129ስድራ ስውኣት ናይ መንበሪ ቦታ ዓዲሉ።
ንመንበሪ ቦታ ዝከውን ን129 ስድራ ስውኣት ንሕድሕዶም 140ካሬ ሎሚ ዕለት 07/09/2018ዓ/ም ከም ዝተዓደለ ምምሕዳር ከተማ ሓውዜን ኣፍሊጡ።
ሓላፊ መሬትን ካዳስተርን ከተማ ሓውዜን ኣይተ ተወልደ ተስፋይኣብቲ ስነ ስርዓት ምውፃእ ዕፃ ዝበልዎ ብዝምልከቶ ኣካል ተፃርዩ ንዝመፀ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ንናይ ሰለስቲኡ ምዕራፍ ቃልሲ ብክብሪ ዝተሰውኡ መሬት ብምድላው ኣብ መንደር ስድራ ጀጋኑ ከም ዝተዓደለ ገሊፆም። ድሕሪ እቲ ዕፃ ድማ ዝበፅሖም ቦታ ከም ዘርአዩን ብተግባር ከም ዘረከቡን ኣብሪሆም።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ዕደላ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ሓውዜን መምህር ኣርኣያ ሃ/ማርያም ነቲ ኣብ 2017ዓ/ም ዝተወሃበ መቀፀልታ ከም ዝኾነን ብምግላፅ ብቀፃልነት እቲ ከይዲ ንዝምልከቶም ኣካላት ጥራሕ ከም ዝወሃብን ገሊፆም።
ካብ ነዚ ዕድል ተጠቀምቲ ዝኾኑ ድማ ምዝንጋዕ ዋላ ይሃልዎ እቲ ቦታ ምርካቦም ፅቡቅ ከም ዝኾነ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ ስድራ ስውኣት ብዘላቅነት መነባብርኦም ነክመርሑ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ቦታ ንስራሕ ኣብ ዝምቹ ተዝኸውን ይሓይሽ ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ እቶም ስድራ ነቶም ዘይበፅሖም ዘሎ ከምኦም ዝበሉ ስድራ እቲ ዕድል ንክረክቡ ክስራሕ ከምዘለዎ ገሊፆም።
07/09/2018 ዓ/ም
ሓበሬታን ርክብን ከተማ ሓውዜን
#ሓውዜን