28/01/2024
ፃውዒት ልምዓታዊ ሓገዝ
===============
አብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ቅድሚ እቲ መፅነታይ ኲናት ህዝቢ ብሰፊሑ አብ ስራሕቲ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ በብዓመቱ እናወፈረ ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናሰርሐ ምምፅኡ ዝፍለጥ እዩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ዝተገመሱ ጉህምታት እናሓወዩ፣ ማይ ዘይነበሮም ከባብታት ፍልፍል እናማዕበሉ፣ ብመስኖ ዝለምዕ ከባቢ እናሰፍሐ፣ ቀለብ እንስሳ እናወሰኸ ብሓፈሻ መፍረያይነትን ፍርያትን ሕርሻን መነባብሮ ሕብረተሰብ እናተማሐይሸ ምንባሩ አብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ እዩ። እዚ ካብዚ ትሕት ኢሉ ዘሎ ናይ ጣብያ ሓድነት ስእሊ ብቐሊሉ ምርዳእ ይከአል። ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ገጢሙና ዝነበረ ሰብናን ተፈጥሮናን ዝበለዐ ኲናት ደንታትና በሪሶም፣ ልሙዕነት ሓመድና ማሕሚሑ፣ ከርሰ ማያትና ነፂፎም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ባልዓትን ሕፅረት ዝናብን ተወሲኽዎ ህዝብና ሕፅረት ጠሊ ንዝወለዶ ዓፀቦን ጥሜትን ተሳጢሑ ይርከብ። ነዚ ንምምካት ኢድ ምዕራባውያን ምቁማት ጥራሕ መፍትሒ ስለዘይኮነ ዓርሰ ምርኮሳ መሰረት ዝገበረ ብዋናነት ድማ ጠሊ ምሓዝ ማእኸሉ ዝገበረ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ እንኮ ዘላቒ መፍትሒ ፀገምና እዩ። ስለዝኾነ ድማ ከም ክልል ኢሉ እውን ከም ወረዳና "ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ቑጠባዊ ውሕስናና" ብዝብል ቴማ ከም ኩሉ ግዜ ናይ 20 መዓልቲ ወፍሪ አብ ወርሒ የካቲት ክሳለጥ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ማይ ክሕዙ ዝኽእሉ ጓዳጉዲ ጎና ጎኒ እዚ ወፍሪ ምስራሕን ሐዚ ሓረስታይ ብቐጥታ ናብ ናይ መስኖ ስራሕቲ ክአትወሎም አብ ዝኽእሉን ማይ ብቐሊሉ ክርከበሉ አብ ዝኽእል ብመፅናዕትን ብማሽነሪን ዝተደገፈ ስራሕቲ ንምስራሕ ምስ ዝምልከቶም አካላት ብምዝርራብ ናይ ተሽከርከርትን ናይ ኤክስካቫተር (መኹዓቲ ማሽን) አቕርቦት ተረኺቡ አሎ። ይኹን እምበር ነዘን ማሽነሪታት ዝኸውን ነዳዲ አቕርቦት ክርከብ አይተኸአለን። ስለዚ ተወለድቲ ዓዲ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ይግበአኒ በሃልትን ንሓረስታይ ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ ክትሳተፉ እትደልዩ አካላትን ካልኦትን ብሓደን ብካልእን መንገዲ ዘለና ሕፅረት ነዳዲ ንምቕራፍ ብገንዘብ ይኹን ብነዳዲ መልክዕ ክትሕግዙና ብሽም ህዝቢ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ፃውዒትና ነቕርብ።
ጥሪ 19, 2016 ዓ.ም
ከይዲ ስራሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ስነ ከባብን ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ወረዳ ደጉዓ ተምቤን