Central Zone TPLF Office

Central Zone TPLF Office እዚ ዕላዊ ፌስቡክ ገፅ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ማእኸላይ ዞባ እዩ!!
ሕርያ ህወሓት ሰላም እዩ!!

01/06/2026
26/05/2026

መልእክቲ ዶ/ር ደብረፅዮን!
እንኳዕ ንመበል 1447 ዒድ ኣል ኣድሃ በዓል ብሰላም ኣብፀሓኩም ኣብፀሓና እናበልኩ፣ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ህዝብና ርሑስ ብዓል ክኾነልና ይምነ።
ዒድ ሙባረክ!

25/05/2026

ብቶም ቁልፊ ምንጪ ዓወትታት ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ውሽጡ ብዴሞክራስያዊ ደርባዊ ቃልሲ ዝካየድ ህንፀት እዩ።
ምትሕውዋስ ዘውግድ ግን ድማ ዓቅሚ ዝእክብ ቃልሲ ውሽጢ ውድብ ተጠናኺሩ ብምቅፃል ንመድረኻዊ ተልእኾና ብብቅዓት ንምምራሕ ዘኽእለና ውሽጣዊ ናይ ምቅላስ ዓቅምና እናበረኸን እናጎልበተን ይርከብ።
ሓቅን ህዝባዊ መትከልን ሰኒቅና ክሳብ ዝተቃለስና ፈተናታት ፈንፅሕና ናብ ዓወት ክንበፅሕ ኢና!!!

ፅምዶ!መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ንህዝቢ ኤርትራ==========================ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንኳዕ ንመበል 35 ዓመት ፅምብል መዓልቲ ነፃነት ኣ...
24/05/2026

ፅምዶ!

መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ንህዝቢ ኤርትራ
==========================
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንኳዕ ንመበል 35 ዓመት ፅምብል መዓልቲ ነፃነት ኣብፀሐካ ክብል ይፈቱ።
ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ካብ ዘለዎም ዘይነቓነቕ መትከላዊ እምነት ብምብጋስ ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ዕድልካ ባዕልኻ ንምውሳን ንዘካየድካዮ ቃልሲ ዘለዎም ድጋፍ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም። ኣብዚ ፅምብል መበል 35 ዓመት መዓልቲ ነፃነትካ እውን እዚ ቕዋሞም ደጊሞም ከረጋግፁልካ ይፈትዉ።
ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘካየድዎ ፍትሓዊ ቃልሲ ከም ህዝቢ ኣብ ሕማቕን ፅቡቕን ንሓበራዊ ዓወት ዝተደጋገፉ ኣሕዋት ህዝብታት እዮም። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ሕዚ እውን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ካልኦት ህዝብታት ኣብ ሰናይ ጉርብትናን ምሕዝነትን ዝተመስረተ ሰለማዊ ርክብን ሓበራዊ ምዕባለን ክጠናኸር ዘለዎም ባህጊ እናገለፁ ህዝቢ ኤርትራ እውን ነዚ ርክብን ምሕዝነትን ኣብ ምጥንኻር እጃምካ ከምእትዋፃእ ብምትእምማን እዩ።
ደጊምና እንኳዕ ንመበል 35 ዓመት ፅምብል መዓልቲ ነፃነትካ ኣብፀሐካ ክንብል ንፈቱ።
ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህወሓት

ኣብ ጣልያን ዝርከቡ ተጋሩ ዲያስፖራ  ፤ ብወረርቲ ሓይልታት ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ናብ ቦትኡ ክምለስ፣ ድምፂ ህዝብና ክስማዕ ኣለዎ ዝብሉን ካልኦትን  ጭርሖታት ብምሓዝ  ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ...
24/05/2026

ኣብ ጣልያን ዝርከቡ ተጋሩ ዲያስፖራ ፤ ብወረርቲ ሓይልታት ዝተጎበጠ መሬት ትግራይ ናብ ቦትኡ ክምለስ፣ ድምፂ ህዝብና ክስማዕ ኣለዎ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ብምሓዝ ዓብይ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ።

ህልውናና ብዓርሰ ምርኮሳና ይረጋገፅ ! !
23/05/2026

ህልውናና ብዓርሰ ምርኮሳና ይረጋገፅ ! !

21/05/2026
19/05/2026

ንመድረኻዊ ቃልሲ ምርግጋፅ ህልውና ኣብ ሓደ ንዕሰል

Address

Addis Ababa

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Central Zone TPLF Office posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share