ባይቶ ይአክል ስዊዘርላንድ / Bayto Yiakl switzerland

ባይቶ ይአክል ስዊዘርላንድ / Bayto Yiakl switzerland Bayto Yiakil Switzerland

The Master of Distraction: How Isaias Afwerki of Eritrea Poses a Strategic Risk to the West by dr. Thomas Solomon @highl...
25/05/2026

The Master of Distraction: How Isaias Afwerki of Eritrea Poses a Strategic Risk to the West by dr. Thomas Solomon @highlight .Thomas Solomon

https://martinplaut.com/2026/05/25/the-master-of-distraction-how-isaias-afwerki-of-eritrea-poses-a-strategic-risk-to-the...
25/05/2026

https://martinplaut.com/2026/05/25/the-master-of-distraction-how-isaias-afwerki-of-eritrea-poses-a-strategic-risk-to-the-west/?fbclid=IwY2xjawSBNsBleHRuA2FlbQIxMQBzcnRjBmFwcF9pZBAyMjIwMzkxNzg4MjAwODkyAAEeAKo3tNURH5tFk44pvbJAh2ZO_1HksLfzecMF8l0LTUgO8mxgFEkEGXXCO4Y_aem_i8BLkbmRBHdeIZcMny5IfQ article by Dr.Thomas Solomon

Author: Dr. Tomas Solomon Isaias Afwerki’s latest Independence Day address to the nation wasn’t really a national speech. As always, it was a tedious lecture about “World Order” and global po…

24/05/2026

ጋዜጣዊ መግለጺ ምንቅስቓስ ይኣክል ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት 2026
ኤርትራ፡ ሎሚ 24 ግንቦት 2026፡ መበል 35 ዓመት ናጽነታ ከተብዕል ኢያ። እዛ ዕለት እዚኣ፡ እቶም ምእንቲ ምሉእ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ብዕጥቒ ዝተቓለሱ ደቃ፡ ናብ ኣስመራ፡ ዋና ከተማ ኤርትራ፡ ዝኣተዉላ መዓልቲ ኢያ። ነዛ ዕለት እዚኣ፡ ከም መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምኽባርና ከኣ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራዊ ወለዶታት እትህቦ ክብርን ድምቀትን፡ ፍሉይን ልዑልን ኢዩ።

ኣብዛ ዕለት እዚኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቶም ተኸታተልቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ደገፍቶምን ጥራይ ኣይኮነን ስዒሩ፣ ነቶም ኣብ ውሽጡ ኮይኖም፡ ሓንሳብ “ምስ መንግስቲ ኢህወደግ ናይ ሓባር መንግስቲ ክንገብር ኢና” ዝብሉ፡ ሓንሳብ ምስቶም ኣስመራ ከይንኣቱ ብረትና ክንዓጽፍ ዘገድዱ ነዳያት ስዒሩ ኢዩ ንኣስመራ ኣትዩ። ኤርትራ እምበኣር ንኹሉ ኣንጻራ ዝተኣልመን ዝተጠጀአን ውዲታት ስዒራ ኢያ ናጽነታ ጨቢጣ። ናይ ኤርትራ ናጽነት ዘይተኸብረ፡ ናይ መን ናጽነት ክኽበር ይከኣል፧

ኤርትራ ሃገርና፡ ዋላኳ ምሉእ ናጽነት ሃልይዋ ምስ ዓለም እንተተሰርዐት፡ ካብ ቃንዛ ግን ገና ኣየዕረፈትን። ሕሱማት ናይ ግዳም ገዛእታ ዝገደፍዎ መሪር ቃንዛ፡ ብደቃ ክድገም ብዓይና ትሪኢ ኣላ። ን35 ዓመታት ክትደሚ፡ ህዝባ ዋና ስኢኑ ፈቐድኡ ክብተን፡ መንእሰያታ መጻኢ ጸልሚትዎም ገዲፎምዋ ክዕዘሩ፡ ኣባይታን ፋብሪካታታን ዓንዮም ናብ ሓመድ ክቕየሩ፡ ኣቤት ዝብላ ሰብ ኣይረኸበትን። ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዘለና ደቃ፡ ብዛዕባ ዘለዋ ሽግር ብሓባር ከነማርር እምበር፡ ብዛዕባ ፍታሕ ክንዝቲ ኣብ ሓደ ቅርዓት ብሓባር ክንዓስልን ክንዝትን ኣይከኣልናን። ናይ ሓርነት ቃልሲ ንውሑዳት ሰብ ሕልና ጥራይ ዝግደፍ ኣይኮነን። ከምኡ ኔሩ እንተዝኸውን ን35 ዓመታት፡ ፍታሕ ከየምጻእና ብሓባር ኣይምደመናን።

ኣብ ውሽጢ እዘን ዝሓለፋ 35 ዓመታት፡ ቀስ ብቐስ፡ ካብ ሕቶ ዲሞክራሲ ናብ ሕቶ ምህላውን ዘይምህላውን ተሰጋጊርና ኣለና። እቲ ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ኤርትራ ተወጢሑ፡ ምኽዳም ዝለመደ ናይ ኤርትራ ስርዓት፡ ብዛዕባ ህላዌኡ እምበር፡ ብዛዕባ ህላወ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘገድሶ ኣይኮነን። ኤርትራ ከም መጣልዒ ካርታ ተጠቒሙ፡ ኣብ ናይ ዓለም ፖለቲካ ኣለኹ ንምባል እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ዝብገስ ዝኾነ ይኹን ዝገበሮን ዝገብሮን ዲፕሎማስያዊ ርክብ የለን። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ሓያል ሓደጋ ኢያ ዘላ።

መዓልቲ ናጽነት፡ ንስለ በዓል ተባሂሉ ዝግበር ሆይሆይታ ኣይኮነን። መዓልቲ ናጽነት ምኽባር ማለት፡ ታሪኽና እንፈልጠሉን መጻኢና እነማዕድወሉን መዓልቲ ኢዩ። እታ ብኣሸሓት መስዋእቲ ዝተረኽበት ናጽነት፡ ብኸመይ ንወለዶታት ተዓቂባ ትነብር ክንዝትን፡ ሓቢርና ክንሰርሕን መብጻዓ ኣለና። ኤርትራ ሃገርና ውሑስ ለውጢ ትደሊ ኣላ። ህዝቢ ኤርትራ ውሑስ ለውጢ ይደሊ ኣሎ። ናይ ለውጢ ሓይሊ ከኣ፡ ኩልና ህዝቢ ኤርትራ ኢና። እቶም ካብ ናይ ለውጢ ሓይሊ ተገሊሎም ብማዕዶ ዝዕዘቡ፡ ምእንተኦም ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ደቂ ህዝቢ ከም ዘለዉ ክዝክሩ ይግባእ። ሃገር እንዳበረሰት ርእስኻ ኣብ ሑጻ ምቕባር፡ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሑጻ ኮይኖም ሃገር ዘብርሱ ዘለዉ ዝፈልየካ ፍጹም የለን።

ሎሚ፡ ብዛዕባ ጸገም ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ታሪኽ ሜዳ ኤርትራን እንዛረበሉ እዋን ኣይኮነን። ሎሚ፡ ብዛዕባ እቲ ን35 ዓመታት ዝተኣጉደ ሓዊ፡ ዝለከመ ከይለከመ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እነእትወሉ ግዜ ኢዩ። ሽግርና፡ ምስቶም ለውጢ ከይንገብር፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጦም፡ ን35 ዓመታት ዘንብዑናን ዝሓለኹናን ሰብ-ሽርካ ኣይኮነን። ካብኣቶም እንጽበዮ ፍታሕ ግዜኡ ዝሓለፎ ኢዩ። ሽግርና፡ ኣብ ክንዲ ንግዳም ንውሽጥና ዘይምጥማትና ኢዩ። ናይ ልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ እትኸውን ናይ ሓባር ሃገር ንምፍጣር እምበር፡ ገለን ሰብ ገዛ፡ ገለን ሰብ ደገ ክንከውን ኣይነበረን። ናይ ሓባር ሃገር ከኣ፡ ብናይ ሓባር ቃልሲ ጥራይ ኢያ እትፍጠር።

ኢርትራ ሃገርና፡ ብርግጽ ኣብ ሓደጋ ኣላ። መድሕን ናይዛ ሃገር ከኣ፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኢና። ኣብዚ ኣፍሪቃ ብደቂ ኣርባዓን ሓምሳን እትምረሓሉ ዘላ እዋን፡ ኤርትራ፡ ን35 ዓመታት፡ ብቅዋምን ባይቶን ዘይብሎም ሽማግለታት ክትምራሕ ካብ ምርኣይ ዘሕንኽ የለን። ብጀካ እተን ብንግስነት ዝምራሓ ሃገራት ዓረብ ገዲፍካ፡ ኤርትራ፡ ቅዋም፡ ባይቶን ምርጫን ዘይብላ እንኮ ሃገር ኣብ ዓለም ኢያ። ካብዚ ዝኸፍእ ውርደትን ሕንከትን ከኣ የለን። ከምቲ ኣብ ኣርባዓታት፡ ኣንድነት ኣድሚጾም ኢልና ዝኸሰስናዮም ኣቦታትና፡ ክንከስስ ዘይኮነ ክንልውጥ ኢዩ ዘለና። እቲ ለውጢ፡ ኣብ ኢድና እምበር፡ ኣብ ኢድ እቶም ለውጢ ከይንገብር ዝሓለኹና ኣይኮነን ዘሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ከባቢ ኤርትራ፡ እንተ ንሕማቕ እንተ ንጽቡቕ ናይ ለውጢ ንፋስ ይነፍስ ኣሎ። ከም ህዝቢ፡ ነዚ ሓያል ንፋስ’ዚ ክንቆጻጸሮ እንተዘይኪኢልና፡ ዳግም ነዛ ሃገር ኣብ ሓያል ዘይትወጾ ሽገር ሸሚምናያ ክንሓልፍ ኢና። እቲ ዝዓበየ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ሰማእታትናን ስንኩላትናን ከኣ እዚ ኢዩ። ሎሚ፡ ሃገር ንምድሓን ንጠራነፈሉ እዋን ኢዩ። ሎሚ፡ ኩሉ ናይ ፖለቲካ ሕቶታት ካልኣዊ ምዃኑ ብግብሪ ንሰርሓሉ እዋን ኢዩ። ሎሚ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብን መንእሰይን እቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምዃኑ እንኣምነሉ እዋን ኢዩ። ሎሚ፡ ብሓባር ዘይምስራሕና ዘኽፈለና ዋጋ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ እንግምግመሉ እዋን ኢዩ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለና ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ግዜኡ ዝሓለፎ ስርዓት ጉሒፍና፡ ማዕረ ኣፍሪቃን ዓለምን እትስራዕ ሃገር ክንፈጥር ከኣ ዓቅምን ሓይልን ኣለና።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ይኣክል ኤርትራውያን
24 ግንቦት 2026

12/05/2026

To Permanent Representatives of Member and Observer States of the United Nations (UN) Human Rights Council (Geneva, Switzerland) 12 May 2026 Erit

12/05/2026

ህግደፍ ምስ ኤውሮፓ ህብረት ድራር በሊዑ ትራምፕ ጸዊዑና ኢልካስ ፈንጠዝያ ፣ መርኣያ ዉሽጣዊ ጭንቀት ኢዩ፣ ህጂ ዉን ሕጊ ከይነገሰ ድቃስ የለን።

03/05/2026

Adresse

Fribourg
1723

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von ባይቶ ይአክል ስዊዘርላንድ / Bayto Yiakl switzerland erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Teilen