Tigray Region Supreme Court

Tigray Region Supreme Court Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Region Supreme Court, Government Organization, mekelle, Tigray.

ችሎት አብ ላዕ/ቤ/ፍ/ክልል ትግራይ
18/06/2015

ችሎት አብ ላዕ/ቤ/ፍ/ክልል ትግራይ

18/06/2015
ዜና ስልጠናእዚ ክምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣብያተ ፍርዲ ንዝርከቡ ዳይኑን ሬጅስትራራት ኣብ ስርዓት ውዕኢት ተኮር/BSC/ ዘድሃብ ስልጠና ተዋሂብዎም፡፡እዚ ብምትሕብባር ማእኸላይ ...
01/06/2015

ዜና ስልጠና
እዚ ክምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣብያተ ፍርዲ ንዝርከቡ ዳይኑን ሬጅስትራራት ኣብ ስርዓት ውዕኢት ተኮር/BSC/ ዘድሃብ ስልጠና ተዋሂብዎም፡፡
እዚ ብምትሕብባር ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ካብ ዕለት 22/09/07 ጀሚሩ ንክለተ መዓልቲ ዝተውሃበ ስልጠና እንትጅመር ዝተረኸቡ ፕሬዝደንት ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ዝኾኑ ኣይተ ፀጋይ ኣለማየሁ ነቲ ስልጠና ኣመልኪቶም ከምዘበልዎ ስርዓት ውፅኢት ተኮር/BSC/ ቅድም ክብል ብውነ ተረዲኢና ኣካል ስራሕና ኣብ ምግባር ኣብ ምኻድ ብዙሕ ዓንቀፍቀፍ ዝነበሮ ብምዃኑ ንስራሕትና ኣብ ምምዛን ፀገም አናፈጠረልና ፀኒሑ እዩ፡፡ ሰለዝኾነ እዚ ሐዚ ንወስዶ ዘለና ስልጠና ነቲ ዝነበረና ክፍተት ዝሽፍነልና ስለዝኾነ ኩልና ሰልጠንቲ ነቲ ስልጠና ብውነ ክከታተሉ ንተግባራውነቱ ክፅዕሩ መልእኽቶ ኣመሓላሊፎም፡፡
እቲ ስልጠና ብክልስ ሓሳብን ብተግባር ተደጊፉ ዝተወሃበ ኮይኑ ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ዘዘራረብናዮም ሰልጠንቲ ብዛዕባ እቲ ስልጠና ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ እቲ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ንቐፃሊ ስራሕቶም ሓጋዚ ስለዝኮነ እቲ ስልጠና ቐፃልንት ክህልዎ ሓቢሮም፡፡

ዜና ግንቦት 20ሰራሕተኛታት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ መበል 24 ዓመት በዓል 20 ጉንበት ብዝደመቐ ኩነታት ኣክቢረምዎ፡፡እዚ ብዕለት 20/07/2007 ኣብ ቀፅሪ እቲ ቤት ፍርዲ ካብ...
01/06/2015

ዜና ግንቦት 20
ሰራሕተኛታት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ መበል 24 ዓመት በዓል 20 ጉንበት ብዝደመቐ ኩነታት ኣክቢረምዎ፡፡
እዚ ብዕለት 20/07/2007 ኣብ ቀፅሪ እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ስግኣት ምብትታን ናብ ተምሳሌትነት ሕዳሰ ዝበፅሐት ሃገር ኢትዮጽያ ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ዝተረኸባ ፕሬዝደንት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ወ/ሮ ሕርይቲ ምሕረተኣብ ነቲ በዓል ኣመልኪተን ኣብ ዝገበረኦ መደረ እዚ ናይ ሎሚ በዓል ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ፍልይ ዘብሎ 5ይ ሃገራዊ መረፃ ብሰላማዊን ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ ምንገዲ ምስላጡ እንትከውን ግንቦት 20 ኩል ግዜ እናተኮለዐት ትነብርን እቲ ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ ብጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ክሳብ መወዳእታ ናብ ዘይምለሰሉ መቓብር ዝወረደሉን ህዘቢ ኢትዮጽያ ሰላም ዲሞክራሲን ልምዓቱ ተረጋጊፁ ክነብር ዘኽኣለት በዓል እንትኾን ነዚ ልምዓትን ዲመክራሲን ሰላም ንምቕፃል ኩልና በብዝወፈርናሉ ዓውደ ስራሕ በርቲዕና ክንሰርሕ ይግበአና ዝበላ ወ/ሮ ሕርይቲ ሰራሕተኛታት ቤት ፍርዲ ፍትሒ ኣብ ምንጋስ ዓቢ ስራሕ ክምዝፅበየና ፈሊጥና ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብሽም ጉንበት 20 ቃልና ብምሕዳስ ክንረባረብ ይግባእ ኢለን፡፡
እቲ በዓል ኣብ ዝተከበረሉ እዋን ተሳተፍቲ ዝነበራ ብሰራሕተኛታ ሓገዝ ንዘዓብያ ክልተ ህፃውንቲ ብሽም ግንቦት ዒስራ ን2008 ዓ/ም ዘድልየን ናውቲ ትምህርትን ዩኒፎርም ክወሃበን ተጌሩ እዩ፡፡
ንድምቀት እቲ በዓል ዝተፈላለዩ ወድድራት ተዳልዮም ንሰዓርቲ ሽልማት ክብርከት ክኢሉ እዩ ፡፡

ዜና መረፃሃገራዊ መረፃ 2007 ዓ/ም ብሰለማዊን ዲሞክራሲያዊ መገዲ ክሳለጥ ኩለን ኣካላት  ፍትሒ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከምዝተገበረ ታሓቢሩ፡፡አዚ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝደንት ላዕላዋይ ቤት...
21/05/2015

ዜና መረፃ
ሃገራዊ መረፃ 2007 ዓ/ም ብሰለማዊን ዲሞክራሲያዊ መገዲ ክሳለጥ ኩለን ኣካላት ፍትሒ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ከምዝተገበረ ታሓቢሩ፡፡
አዚ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝደንት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ክምዘገልፆ ኣብ ሃገርና ንመበል 5ይ እዋን ግንቦት 16 ኣብ ዝካየድ መረፃ ሰላማዊን ዲሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ንክሳለጥ ኣካላት ፍትሒ በብዝምልከቶም ስራሕቶም ንምክንዋን ተዋዲዶም ዝሰርሑ ኮይኑ ብወገን ፀጥታ ምኽባር ሙሉእ ብሙሉእ ስራሕቲ ዝተኸወነ ኮይኑ ኣብያተ ፍርዲ ክልልና እውን ኣብ ዕለት መረፃ ክፍቲ ብምግባር ብተዘዋዋሪ መጋባእያ ኣብቲ ናይ መረፃ ናቑጣታት ከባቢ ከምዝሰርሕን ምስ ካልኦት ኣካላት ፍትሒ ተዋዲዱ ብፍፁም ገለልተኝነት ስራሕቶም ብምስላጥ እቲ መረፃ ብዕውት መንገዲ ክዛዘም ክመዝግበር ተገሊፁ፡፡

ኣብ ከተማ ሳምረ ንማሕበራዊ ኣብያተ ፍርዲ መዕበይ ዓቅሚ ስልጠና እንትዋሀብ ዘርኢ ምስሊ
21/05/2015

ኣብ ከተማ ሳምረ ንማሕበራዊ ኣብያተ ፍርዲ መዕበይ ዓቅሚ ስልጠና እንትዋሀብ ዘርኢ ምስሊ

ካብ ኩለን ዞባን ወረዳ ክልል ኣብያተ ፍርዲ ንዝርከቡ ክኢላታት ችሎት ትራንስክራቨር፣ሓበሬታ ዴስክ፣ዳታ ኢንኮደርን፣ድምፂ ቐረፅቲ ብምትሕብባር ላዕ/ቤ ፍ/ክልል ትግራይን ፌደራል ቤት ፍርዲ ኣብ...
21/05/2015

ካብ ኩለን ዞባን ወረዳ ክልል ኣብያተ ፍርዲ ንዝርከቡ ክኢላታት ችሎት ትራንስክራቨር፣ሓበሬታ ዴስክ፣ዳታ ኢንኮደርን፣ድምፂ ቐረፅቲ ብምትሕብባር ላዕ/ቤ ፍ/ክልል ትግራይን ፌደራል ቤት ፍርዲ ኣብ ሙየኦም ጠመተ ዝገበረ ስልጠና እንትዋሀብ ዘርኢ ምስሊ

ንኩሉም ኣመራርሓ ዞባታትን ላዕላዋይ  ቤት ፍርዲ ብክኢላታት ቢሮ ሰቪል ሰርቪስ ኣብ ስርዓት ውፅኢት ተኮር፣ ኣደላልዋ ትልምን፣ኣመዛዝና ካብ ውልቀ ጀሚሩ ክሳብ ትካል ስልጠና እንትዋሀብ ዘርኢ ...
21/05/2015

ንኩሉም ኣመራርሓ ዞባታትን ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ብክኢላታት ቢሮ ሰቪል ሰርቪስ ኣብ ስርዓት ውፅኢት ተኮር፣ ኣደላልዋ ትልምን፣ኣመዛዝና ካብ ውልቀ ጀሚሩ ክሳብ ትካል ስልጠና እንትዋሀብ ዘርኢ ምስሊ

21/05/2015

ዜና ስልጠና
ንዝተፈላለዩ ኣካላት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ፡፡
እዚ ካብ ዕለት 01/09/07 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታታሊ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ከተማ ውቕሮ ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ንኩሉም ኣመራርሓ ዞባታትን ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ እንተኸውን አቲ ስልጠና ብክኢላታት ቢሮ ሰቪል ሰርቪስ ኣብ ስርዓት ውፅኢት ተኮር፣ ኣደላልዋ ትልምን፣ኣመዛዝና ካብ ውልቀ ጀሚሩ ክሳብ ትካል ዘለው ኣሰራርሓታት ን ኣብ ሰራሕቲ ዘጋጥሙ ካልኦት ፀገማት ብመሰረት ዳሕሳስ ቢሮ ሲቪል ሰርቪስ ዝብሉ ዛዕባታት ዘካተተ ስልጠና ብሓባርን ብጉጅለ ብምግባር ግፍሕ ዝበለ ስለጠና ክወሃብ ተጌሩ እዩ፡፡
ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ዝተረኸባን ተሳታፊት እቲ ስልጠና ፕሬዝደንት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዝኾና ወ/ሮ ሕርይቲ ምሕረተኣብ ክመዝበለኦ እቲ ብምትሕብባር ላዕላዋይ ቤት ፍርዲን ቢሮ ሲቪል ሰቨርቪስ ዝተወሃበ ስልጠና ቅድም ክብሉ ኣብ ስራሕትና ደንገርገር እናፈጠሩልና ዝነበሩ ፀገማት ፍታሕ ዝረኸብናሎምን ኩልና ኣካላት ቤት ፍርዲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ነውፀኦም ዝነበሩ ትልምታትና ድሕሪ አዚ ስልጠና ኩልና ናብ ሓደ መስርሕ ክእትወና ዝኽእሉ ባይታ ተመቻችዩ እዩ ኢለን፡፡
በተወሳኺ ውን ዘዘራረብናዮም ሰልጠንቲ እቲ ስልጠና ፅቡቕ ዝኾነ ግንዛበ ከምዘሕደረሎምን እቲ ስልጠና ቀፃልንት ክህልዎ ሓቢሮም፡፡
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ብተመሳሳሊ ዕለት ዝተጀመረ ካብ ኩለን ዞባን ወረዳ ክልል ኣብያተ ፍርዲ ንዝርከቡ ክኢላታት ችሎት ትራንስክራቨር፣ሓበሬታ ዴስክ፣ዳታ ኢንኮደርን፣ድምፂ ቐረፅቲ ብምትሕብባር ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይን ፌደራል ቤት ፍርዲ ኣብ ሙየኦም ጠመተ ዝገበረ ስልጠና ንተኸታታሊ 4 መዓልቲ ዝተወሃበ ኾይኑ ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ሃፍቶም ገ/ሚካኤል እቲ ስልጠና ላ/ቤ/ፍርዲ ንሰራሓተኛታቱ ዓቕሚ ንምዕባይ ካብ ዝሓዞም መደባት አቲ ሓደ ኮይኑ እዚ ከምዚ ዝበለ ስልጠናታት ተጠናኺሩ ዝቕፅል ኮይኑ ስለጠንቲ ነዚ ሐዚ ዝሰልጠንዎ ስልጠና ናብ ተግባር ከሽርፍዎ ከምዝግባእ ሓቢሮም፡፡ብምቕፃል ዘዘራረብናዮም ሰልጠንቲ ክምዝበልዎ እዚ ከምዚ ዝበለ ስልጠና ብጣዕሚ ዝደንጎየን ኣብ ስራሕትና ዓቢ ፀገም እናፈጠረልና ዝነበረ ኮይኑ ምጅማሩ ግን ክነኣድ ዝግበኦን ነቐፃሊ ውን ምስ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ንምፍላጥ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ ከምዚኦም ዝበሉ እዋናዊ ስልጠናታት ክውሃቡና ይግባእ ኢሎም፡፡

ካብ ሚያዝያ 24 ክሳብ ሚያዝያ 30/2007 ዝተሰለጠ በዓል ቅንያት ፍትሒ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መዛዘሚ እቲ በዓል ፓነል ምይይጥ እንትካየድ
08/05/2015

ካብ ሚያዝያ 24 ክሳብ ሚያዝያ 30/2007 ዝተሰለጠ በዓል ቅንያት ፍትሒ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መዛዘሚ እቲ በዓል ፓነል ምይይጥ እንትካየድ

ዜና ገበን ስርቂትካል እንዳማቱ ፈጊሩ ብምእታው ከቢድ ገበን ስርቂ ዝፈፀመ ተኸሳሲ ብማእሰርቲ ከቕፃዕ ተወሲንሉ፡፡ ነባርነቱ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ጣብያ እንዳስላሴ ዞን 1 ዘ...
08/05/2015

ዜና ገበን ስርቂ
ትካል እንዳማቱ ፈጊሩ ብምእታው ከቢድ ገበን ስርቂ ዝፈፀመ ተኸሳሲ ብማእሰርቲ ከቕፃዕ ተወሲንሉ፡፡ ነባርነቱ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ጣብያ እንዳስላሴ ዞን 1 ዘኾነ ተኸሳሲ ዮናስ ሰይፈ ኣለማየሁ ብዕለት 12/11/2006 ዓ/ም ኣጋ ምሸት ሰዓት 3፡30 ኣብቲ ዝተጠቐሰ ኣድራሻ ዞን 2 ኣብ ዝርከብ ትካል ኣይተ ኣብረሃ ኣታኽልቲ ነዝኾነ እንዳ ፀጉሪ ብተንዲኖን ብኻራን ብምስባር ካብቲ እናዳፀጉሪ ግምቶም 8800 ዝኾኑ ንብረታት ብኽሻ ጠሚሩ እንትከይድ ኣብ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሉ ገዳዩ ተፃርዩ ናብ ዝምልከቶ ቐሪቡ ክሲ ተመስሪትሉ ገበነኛ ንምዃኑ ብሰብን ብቴክኒክ መረዳእታ ድሕሪ ምርግጋፁ ብወረዳን ብማእኸላይ እቲ ዞባ ብማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ክቕፃዕ ተወሲንሉ ነቲ ውሳነ ብምቕዋም ናብ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ይግበአኒ ኢሉ ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዝፀንሐ ተዘዋዋሪ መጋባእያ ገበን ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ምድብ መጋባእያ ከተማ ውቕሮ ሚያዝያ 29/2007 ብዝወዓሎ መጋባእያ ተኸሳሲ ዘቕረቦ ሕቶ ይግበአኒ ውድቂ ብምግባር ማእከላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ምብራቕ ዝሃቦ ብይን ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ክፀንዕ ወሲኑ፡፡

ተኸሳሲ ዮናስ ሰይፈ ኣለማየሁ

ዜና ውሳነ ፍርዲ      ///ብገበን እምነት ምጉዳል ዝተኸሰሱ ውልቀ ሰባት ብማእሰርቲ ክቕፅዑ ተወሲንሎም/////////ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣለም ተኽሉ ነባርነቱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ካልኣይ ተ...
08/05/2015

ዜና ውሳነ ፍርዲ

///ብገበን እምነት ምጉዳል ዝተኸሰሱ ውልቀ ሰባት ብማእሰርቲ ክቕፅዑ ተወሲንሎም/////////
ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣለም ተኽሉ ነባርነቱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ካልኣይ ተከሳሲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዓዲ ግራት ነባሪ ዝኾነ ኪዱ ተኽሉ ክልቴኦም የሕዋት ኢና በሃልቲ ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዘለዎ ነባራይነት ፍቓድ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ኢትዮጽያ ናብ ስዑዲ ንዘኣተው ብፍላይ ድማ ተጋሩ ንዝኾኑ ዜጋታት በቲ ዘለዎ ሕጋዊ ሽፋን ንወለድኹም ኾነ ንካልኦት ትደልይዎ ሰብ ገንዘብ ክንተሐላልፈልኩም ኢና ብምባል ገነዘብ ድሕሪ ምቕባል ኣብ ዓዲ ግራት ንዝርከብ ሓው ብምስዳድ አቲ ገንዘብ ንምብፅሑ ብዘተለኣኸሎም ቤተሰብ ኣቢሉ ናብ ካልኣይ ተኸሳሲ ክድወል ከሎ እቲ ገንዘብ ካብ ሳውዲ ዓረብ ክምዝበፅሖ ይሕብረሎም ንሳቶም ውን ነቲ ነገር ኣሚኖም ገንዘቦም ክቕበሉ ናብ ካልኣይ ተኸሳሲ ዝሓበረሎም ኣድራሻ ክኸዱ ከለው ተጠቃሲ ኣብቲ ከባቢ ክምዘይርከብን ስልኩ ብምጥፋእ ንብርክተ ዝበለ እዋን ይስወር፡፡ እዞም ክልተ ተኸሰስቲ ብኸምዚ ዝበለ ዓይነት ተግባር ካብ 2003 ዓ/ም ክሳብ 2005 ዓ/ም ኣብዘሎ እዋን ልዕሊ 23 ሚልዮን ብር ብእምነት ምጉዳል ገበን ንውልቀ ረብሐኦም ከውዕሉ ብመኽኣሎም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ብዓቃቢ ሕጊ ክሲ ተመስሪትሎም ጉዳዮም ብዘተፈላለዩ ቆፆሮታት ከርኢ ዝፀንሐ ተዘዋዋሪ መጋባእያ ገበን ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ሚያዝያ 22/2007 ዓ/ም ብዝወዓሎ መጋባእያ ክልቲኦም ተኸሰስቲ ብመረዳእታ ገበነኛታት ንምዃኖም ብምርግጋፁ ኣብ ቁፅፅር ካብ ጀሚሩ ዝሕሰብ ነንሕድ ሕዶም ብማእሰርቲ 2 ዓመትን 6 ወርሒ ንኽቕፅዑ ተወሲንሎም፡፡
እዚ ክምዚ ኢሉ እናሃለወ ብተመሳሳሊ ነባርነቱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ርያድ ፍሉይ ቦታ ሞንፋሓ ዝኾነ ተኸሳሲ ደስታ የኩኖም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዘለዎ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ሽፋን ብምግባር ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ኢትዮጽያ ናብ ስዑዲ ንዘኣተው ብፍላይ ድማ ተጋሩ ንዝኾኑ ዜጋታት በቲ ዘለዎ ሕጋዊ ሽፋን ንወለድኹም ኾነ ንካልኦት ትደልይዎ ሰብ ገንዘብ ከተሐላልፈልኩም ይኽእል እየ ብምባል ካብ 2005 ዓ/ም ክሳብ 2006 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ዝተፈላላዩ ተጋሩ ልዕሊ 7 ሚልዮን ብር ብእምንት ምጉዳል ኣታሊሉ ብምውሳዱ ንውልቀ ረብሕኡ ብምውዓሉ ኣብ ቑፅፅር ውዒሉ ብዓቃቢ ሕጊ ክሲ ተመስሪትሉ ጉዳዩ ብዝተፈላለዩ ቆፀሮታት ክከታተል ዝፀንሐ ተዘዋዋሪ መገባእያ ገበን ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣብ ምድብ መጋባእያ ዞባ ምብራቕ ከተማ ውቕሮ ሚያዝያ 29/2007 ዓ/ም ብዝወዓሎ መጋባእያ ተኸሳሲ ገበነኛ ንምዃኑ ብምርግጋፁ ኢዱ ኣብ ቁፅፅር ካብ ዝወዓለሉ እዋን ጀሚሩ ዝሕሰብ ብማእሰርቲ ክልተ ዓመትን ኣርበዓተ ወርሕን ክቕፃዕ ተወሲንሉ፡፡

ዳያኑ ተኸሳሲ ደስታ የኩኖም

Address

Mekelle
Tigray
328

Telephone

+251344411204

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Region Supreme Court posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Organization

Send a message to Tigray Region Supreme Court:

Share