ውድብ ወለዶ ትግራይ-Tigrai Generation party

ውድብ ወለዶ ትግራይ-Tigrai Generation party ወሎዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ !
(2)

Official letter from the Tigray Generation Party (TGP) to the Royal Embassy of the Kingdom of Saudi Arabia, petitioning ...
24/04/2026

Official letter from the Tigray Generation Party (TGP) to the Royal Embassy of the Kingdom of Saudi Arabia, petitioning for executive clemency for Ethiopian nationals currently facing capital punishment.

ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብጅምላ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ንዝርከቡ ዜጋታትና ኣመልኪቱ፣ ናብ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሚኒስቴር ወጻኢ ጉዳያት...
24/04/2026

ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብጅምላ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንዎም ንዝርከቡ ዜጋታትና ኣመልኪቱ፣ ናብ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ሚኒስቴር ወጻኢ ጉዳያት ዝለኣኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፦

ካብ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂትግራይ ካብ ዝተኣደነላ ዳግማይ ዑደት ጥፍኣት ንምድሓን ዝቐረበ  ፃውዒት!ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ኩለመዳያዊ ቕልውላው ካብ ዓቕሚ ሓደ ፖ...
21/04/2026

ካብ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ትግራይ ካብ ዝተኣደነላ ዳግማይ ዑደት ጥፍኣት ንምድሓን ዝቐረበ ፃውዒት!

ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ኩለመዳያዊ ቕልውላው ካብ ዓቕሚ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንላዕሊ ዝተሓላለኸን ሓባራዊ ብሄራዊ መፍትሒ ዝጠልብን ኮይኑ እናሃለወ፤ እቲ ብህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ሸቀጥ ዝለመደ ጉጅለ ህወሓት ግና፣ ኣብ ክንዲ ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳትፍ ቅቡል "ሓቋፋይ ብሄራዊ ናይ ስግግር መንግስቲ" ንምጥያሽ ሓጋዛይ ሚና ምፅዋት፣ ነቲ ግዚኡ ዝሓለፎ፣ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉን ብሰንኪ እቲ ዝሓለፈ ፅንተታዊ ኲናት ፈሪሱ ዝሓገየን ናይ 2013 ዓ.ም "መንግስቲ መሊሰ ኣለኹ" ዝብል ፖለቲካዊ ቅየዐ ጀሚሩ ኣሎ።

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)፣ እዚ ብውሑዳት ዝተኣወጀ ውሳነ ብሓደ ወገን ንሉኣላዊ ስልጣን ህዝቢ ትግራይ ብዕሊ ዝጥሕስን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘፍረሰን ሓይለ-መልጣዊ ምንቅስቓስ ብምዃኑ፣ ብካልእ ወገን ድማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ብምጥሓስ ህዝብና ናብ ካልእ ዙር ሓደጋ ኲናት ዝመልስ ቅሉዕ "ኣዋጅ ጥፍኣት" ብምዃኑን ፣ ነዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘይሕጋዊ ውሳነ ብትሪ ይኹንኖ።

ዓቕምታት ትግራይ በታቲኑ፣ ሃዲኑን ኣሳዲዱን ዘይምነዎ እዚ ጉጅላዊ ረብሕኡ ንምውሓስ ጥራይ ዝተሰለፈ ካብ ስሕተቱ ዘይመሃር ሓይሊ፤ ታሪኻውያን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መሓዝቱ ብምግባር፣ ትግራይ በዓል ዋና ናብ ዘይኮነትሉ ናይ ባዕዳን ኲናት ክጥሕላን ህዝብና መጋበርያ ኲናት ክገብርን ጀሚርዎ ዘሎ ፀደፍደፍ፣ ንወለዶታት ትግራይ ናብ ዘይለኣም መከራ ዝዳጉንን ስቓይ ህዝብና ዘናውሕን እምበር ብሄራዊ መዋፅኦና ኣይኮነን።

ብምኳኑ እውን ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ህዝብና ካብ ዝተደገሰሉ ቀፃሊ ዘይዛሪ ብርሰት ንምድሓን ከም ዝስዕብ ይፅውዕ ;-

1.ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትርከብ መላእ ህዝብና፣ ነዚ ንህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዘፍርስን ናይ ጥፍኣት ውሳነ ብሓደ ድምፂ ብትሪ ክትነፅጎን ብፅንዓት ክትቃለሶን ፃውዒትና ነቕርብ።
2. ኩሎም ፖለቲካዊን ፀጥታውን ሓይልታት ትግራይ፣ ኣፈላላዮም ንጎኒ ወንዚፎም ኣብዚ ግዘ ዘይውህብ መድረኽ ብምዕሳል፣ ህዝብናን ዓድናን ካብቲ ዝተጠጅአሉ ጥፍኣት ንምድሓን ብሓባር ክሰርሑን ብሄራዊ ግቡኦም ክዋፅኡን ንፅውዕ።
3. ማሕበረሰብ ዓለም ብወገኑ ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝተኣደነሉ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ንክድሕን፣ እቲ ቐጠና ድማ ናብ ካልእ ዙር ሕምስምስ ንከይምለስን ዲፕሎማሲያዊ ፅቅጢ ብምሕያል እቲ ውዕሊ ከይተሸራረፈ ብምሉእነት ንክፍፀም ክደፍእ ፃውዒትና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ደገ ፖለቲካዊ ፅልዋ ነፃ ዝኾነ ብሄራዊ ምርግጋእ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ከምዝቐጽል የረጋግፅ።

ወሎዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ !
ውድብ ወለዶ ትግራይ
13 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም
መቐለ

መልእኽቲ እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ኣብፅሐኩም​ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትነብር መላእ ህዝቢ ትግራይ፤​ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውድብ ወለዶ ትግራይ ...
11/04/2026

መልእኽቲ እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ኣብፅሐኩም

​ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ወፃእን እትነብር መላእ ህዝቢ ትግራይ፤
​ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) እንኳዕ ንብርሃነ ትንሳኤኡ ብሰላም ኣብፅሐካ እናበለ ሰናይ ትምኒቱ ይገልፅ።

በዓል ​ትንሳኤ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን እንሰጋገረሉ ናይ ተስፋ በዓል እዩ።

​ኣብዚ ዓብዪ በዓል፣ ኣብ ወፃኢ እትነብሩ ተጋሩ ምስ ህዝብኹምን ዓዲኹምንን ዘለኩም ናይ ደገፍን ሕውነትን ተመክሮ ኣጠናኺርኩም ንክትቅፅሉ እናተላበውና፣ ብፍላይ ድማ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ተመሊሶምን ዝዓነወ ቤቶም ሃኒፆምን ብዛላቅነት ናብ ንቡር ሂወቶም ዝምለስሉ ናይ ትንሳኤ ዓመት ንክኸውን ዝጀመርክምዎ ዴፕሎማስያዊ ቃልሲ ንክተሐይሉ ንላቦ ።

ህዝብና ኣብ ውድብ ወለዶ ብምዕሳል፣ ትግራይ ዓርሰ-ምርኮሳኣ ዘረጋገፀት ንኽትኸውን ዝጀመሮ "ወለዶኣዊ ቃልሲ" ንኽዕወትን ኩሉ ብሓዱሽ መንፈስ ክረባረብ ንፅውዕ።

​ርሑስ በዓል ትንሳኤ!
​ወለዶኣዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
መቐለ - ትግራይ
ሚያዝያ 3፣ 2018ዓም

11/04/2026

ርሑስ በዓል ትንሳኤ!
​ወለዶኣዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
መቐለ - ትግራይ
ሚያዝያ 3፣ 2018ዓም

ብ ፃውናታት ፀለመ ዝግረፍ ሓቂ የለን!ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ንመሰልን ሓበራዊ ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ብተኣማንነትን ብትብዓትን ክቃለስ ዝፀንሐን ዘሎን ውድብ እዩ። ...
30/03/2026

ብ ፃውናታት ፀለመ ዝግረፍ ሓቂ የለን!

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ንመሰልን ሓበራዊ ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ብተኣማንነትን ብትብዓትን ክቃለስ ዝፀንሐን ዘሎን ውድብ እዩ። ከም ዝዝከር፤ ውድብና ብዘካየዶ ዘተን ምርድዳእን መሰረት፣ ናይ ትግራይ በጀት ድጎማ ንክኽፈል ፌዴራል መንግስቲ ከምዝወሰነ ብዕለት 16 መጋቢት 2018 ዓ.ም ኣብ ዝሃብናዮ ወግዓዊ መግለፂ ንህዝብና ምብሳርና ይፍለጥ እዩ።

ውድብና ውድብ ወለዶ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንመሰልን ህልውናን ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ፌደራል ትካላት ብምዝታይ ኣብ ጉዳይ ምልቃቕ መሃያ ኣተኲሩ ዝገብሮ ዘሎ ሰላማዊ ቓልሲ ስዒቡ ዝረኸቦ ፖለቲካዊ ቅቡልነትን ህዝባዊ ደገፍን ዘሰንበዶም ፤ ንመሃያ ሰራሕተኛ መሳርሒ ፖለቲካዊ ጠላዕ ክገብርዎ ዝፀንሑ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ኣካላት ነቲ ሓቂ ጠውዮም ንህዝቢ ንምድንጋር ኣብ ልዕሊ ውድብና ዝተቀናጀው ስልታዊ ወፍሪ ፀለመታት ከካይዱ ፀኒሖም ኣለዉ።
ይኹን እምበር ውድብና ብተግባር ዝተፈተነን ብመረዳእታ ዝንቀሳቐስን ከም ምዃኑ መጠን ነቲ ካብ ዝምልከቶም ናይ ፌደራል ኣካላት ዘረጋገፆ ጭቡጥ መርትዖታት ንመላእ ህዝቢ ብሓፈሻ ንመንግስቲ ሰራሕተኛ ትግራይ ድማ ብፍላይ ከምዚ ዝስዕብ ይገልፅ።

ብመሰረት ካብ ገንዘብ ሚኒስቴር ዘረጋገፅናዮ መረዳእታ ብዕለት 21/07/2018 ዓ.ም ብቑፅሪ ደብዳቤ ክሃተ.8/65/117 ካብ ገንዘብ ሚኒስቴር ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ብዝተልኣኸ ደብዳቤ ፤ እቲ በጀት ካብ ብሄራዊ ግምጃ ቤት ባንኪ ሒሳብ ወፃኢ ተገይሩ ናብ ትግራይ ፋይናንስን ሃፍቲ ምትሕብባርን ቢሮ ንክኽፈል ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈን ፤ በዚ መሰረት እውን ናይ ወርሒ መጋቢት ናይ በጀት ድጎማ ድጋፍ ብጠቕላላ 1,006,735,804.70 (ሓደ ቢልዮን ሽድሽተ ሚልዮንን ሸውዓተ ሚእቲ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ሸሞንተ ሚእቲ ኣርባዕተን ብር ምስ ሰብዓ ሳንቲም) ናብ ንግዲ ባንክ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ዝርከብ ናይ ክልል ትግራይ ሕሳብ ቁፅሪ 1000537846724 ንክመሓላለፍ ትእዛዝ ተዋሂቡን ፤ እቲ ደብዳቤ እውን ብግልባጭ ናብ ናይ ክልል ፋይናንስን ሃብቲ ምትሕብባርን ቢሮ ከም ዝበፅሐ ኣረጋጊፅና ኣለና።

ስለዚ መላእ ህዝብናን ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይን በዞም ኾነ ተባሂሎም ዝናፈሱ ዘለው መሰረት ዘይብሎም ናይ ምድንጋር ሓበሬታታት ከይተረበሽካ እቲ ሓቂ እዚ ምዃኑ ተረዲእኻ ኣብ ጎኒ ውድብካ ንክትዓስልን ኣጀንዳታት ህዝብና ንምዕዋት ኣሐይልካ ክትቃለስን ፃውዒትና ነቕርብ።
ኣብ መወዳእታ ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ ንድሕንነትን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝገብሮ ቃልሲ ብዝፍነው ዘለው በትሪ ፀለመታት ንድሕሪት ከምዘይብል እናሓበረ ኣብ ካልኦት ተወሰኽቲ ዝተሓላለኹ ኣጀንዳታት ህዝብና ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብሰላማዊ መንገዲ ብድርድርን ብልዝብን ንምፍታሕ ዘለዎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ምዃኑ የረጋግፅ።

ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
21 መጋቢት 2018 ዓ.ም
መቐለ

ንመላእ መንግስቲ ሰራሕተኛ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ!ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ብተደጋጋሚ ብዘካየዶ ተሪር ሰላማዊ ቃልስን ዲፕሎማሲያዊ ድርድርን መንግስቲ ፌደራል መሃያ መንግስቲ ...
25/03/2026

ንመላእ መንግስቲ ሰራሕተኛ ትግራይ እንኳዕ ደስ በለካ!

ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ብተደጋጋሚ ብዘካየዶ ተሪር ሰላማዊ ቃልስን ዲፕሎማሲያዊ ድርድርን መንግስቲ ፌደራል መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ትግራይ ብቕልጡፍ ንክልቀቕ ወግዓዊ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ውድብና መሃያ ሰራሕተኛታት ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ነፃ ብዝኾነ መንገዲ ብቐጥታ ናብ ውልቀ ሒሳብ ባንኪ ንክኣቱ ዘቕረቦ ግብራዊ መፍትሒ ተቐባልነት ዝረኸበ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቴክኒካዊ መስርሕ ንምዝርጋሕ ዝወስድ ግዜ ንዕለታዊ ህይወት ሰራሕተኛታት ናብ ሓደጋ ህልውና ከየእትዎ ብምስጋእ እቲ ክፍሊት ብህፁፅ ንክፍፀም ብዘካየድናዮ ዘተ እቲ ውሳነ ክፀድቕ ተገይሩ ኣሎ።

እዚ ብዘተን ልዝብን ዘይፍታሕ ፖለቲካዊ ፀገም ከምዘየለ ዘረጋገፅ ውሳነ ምኻኑ ዝኣምን ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ ፡
ኣብ መወዳእታ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ካብ ፍቓድካ ወፃኢ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ዘይሕጋዊ ምቁራፅ መሃያ ተወዲብካ ንክትቃለስ ፃውዒትና እናቅረብና ውድብና መሰል ሰራሕተኛታት ብዘላቒ መንገዲ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሱ ኣሐይሉ ከምዝቕፅል የፍልጥ።

ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ(ወለዶ)
16 መጋቢት 2018 ዓ.ም
መቐለ

ካብ ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዘይተኸፈለ መሃያን ንዕኡ ስዒቡ ዝመፀ ከቢድ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሕሰም ተፃዊሩ ህዝቡ እናገልገለ...
21/03/2026

ካብ ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዘይተኸፈለ መሃያን ንዕኡ ስዒቡ ዝመፀ ከቢድ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ሕሰም ተፃዊሩ ህዝቡ እናገልገለ ኣብ ዘሎሉ ወቕቲ መሃይኡ ብዘይምኽፋሉ ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ብልዑል ፖለቲካዊ ውፍዩነት ተግባራዊ ምንቅስቓስ ክገብር ፀኒሑ እዩ።

ህዝብና ከምዝፈልጦ ውድብና ብዕለት 27-06-2018 ዓ.ም. ብቑጽሪ ው-ወ-ት/18 ብዝፀሓፎ ወግዓዊ ደብዳቤ መሰረት ምስ ዝምልከቶም ሴክተራት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ዘተ እቲ ፀገም ኣብ ናብራ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኣንገብጋብን ህፁፅን ምዃኑ ድሕሪ ምዝታይ መዕለቢ ክረክብ ውድብና ዘትዩ ኣሎ።

ኣብቲ ዝተገብረ ዘተ ብፌደራል መንግስቲ ንትግራይ ዝለኣኽ በጀት ኣብ ዝተደለየ ናይ ልምዓትን ሕውየትን ስራሕቲ እንተይኮነስ ንኻልእ ክውዕል ይድለ ኣሎ ዝብል ስግኣት ተረዲእና ኣለና። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ናይ ዝሓልፈ ወርሒ መሃያ ካብ ውልቃዊ ድልየትን ውሳነን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ወፃኢ ብመምርሒ ክቑረጽ ዕላዊ መምርሒ ብሰነድ ኣውፂኡ ብምንቅስቓሱ ምኽንያት ዝተፈጠረ ፀገም ከምዝኾነ ኣብ ዘተና ተላዒሉ እዩ።
ኣብ ዘተና መፍትሒ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ናይ መማረፂ ሓሳባት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1) እቲ ዝወፀ ዘይሕጋዊ መምርሒ ምቑራፅ መሃያ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ክለዓል ብምግባር መሃያ ክኽፈል ምግባር

2) ንኣፈፃፅማ ዘፅግም ዋላ እኳ እንተኾነ ፌደራል ካብ ክልል ቢሮ ፋይናንስ ወርሓዊ ብዝቐርበሉ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ፐሮል መሰረት ብቐጥታ ናብ ሕድ ሕድ ሰራሕተኛ ክኽፈለሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ምፍጣርን ምምችቻውን እንትኸውን

በዚ መሰረት ነቶም ዝቐረቡ መማረፂታት እቲ ናይ ሰራሕተኛ መንግስቲ መሃያ ንሰራሕተኛ መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝኸፍልን ሕጋዊ መስርሕ ከምዝኽተልን ተረዳዲእና ኣለና። ስለዚ ኩለኻ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ እቶም ዝቐረቡ መማረፂታት ንኽትግበሩ ኣብ ጎኒ ውድብ ወለዶ ትግራይ ኮይንካ ክትቃለስ ፃውዒትና ነቕርብ።

ወለዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ!
ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
12 መጋቢት 2018 ዓ.ም.
መቐለ

ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ድማ ብፍላይ፤ እንቋዕ ንመበል 1447 ግዜ ዝኽበር ዘሎ በዓል ዒድ ኣልፈጥር  ብሰላም ኣብፅሓኩም!እዚ በዓል እዚ ህዝብና ኣብ ትሕቲ...
19/03/2026

ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ንተኸተልቲ እምነት እስልምና ድማ ብፍላይ፤ እንቋዕ ንመበል 1447 ግዜ ዝኽበር ዘሎ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ኣብፅሓኩም!

እዚ በዓል እዚ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ድሕረ-ኲናት ስብርባር ኮይኑን ሓድነቱ ተሸራሪፉን የኽብሮ እኳ እንተሃለወ፣ ብሓዱሽ ወለዶን ብስልጡን ሓሳብን ካብዚ ዘለዎ ኩለመዳይ ውድቐት ተላዒሉ ትንሳኤኡ ከምዘረጋግፅ ውድብ ወለዶ ትግራይ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ።

​ኣብዚ ቅዱስ ዕለት፣ ነቶም ተፈናቒሎም ዘለዉ ወገናትና ብተግባር ብምሕሳብን ነቶም ህልውናና ንምውሓስ ደሞምን ኣካሎምን ዝገበሩ ጀጋኑ ሰማእታትና ብምዝካርን ክነኽብሮ ይግባእ።

​ዒድ ሙባረክ !

ወለዶኣዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ
​ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
10 መጋቢት 2018 ዓ.ም
መቐለ

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ንኣዋርሕ ደመወዝ ብዘይምርካቦምን ብሰንኪ ሕፅረት በጀት ኣብ ክልልና ተፈጢሩ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ዘላቂ መፍትሒ ንምምፃእ፣ ምስ ...
16/03/2026

ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ) ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ንኣዋርሕ ደመወዝ ብዘይምርካቦምን ብሰንኪ ሕፅረት በጀት ኣብ ክልልና ተፈጢሩ ዘሎ ማሕበራዊ ቅልውላው ዘላቂ መፍትሒ ንምምፃእ፣ ምስ ፌዴራል ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስን ሚኒስቴር ገንዘብን ብኣካል ተራኺብና ንምዝርራብ ናይ ቆፀሮ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።

​ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ ንሕቶታት መሰል ህዝብና ምላሽን ፍትሒን ንምርካብ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ፍፁም ብሰላማዊ መንገዲ ቃልሲ ዝተመስረተ ኮይኑ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝምለስ ዝጀመርናዮ ፃዕሪ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ምኻና ንገልፅ።

ወሎዳዊ ቃልሲ ንህላወ ትግራይ !

​ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)
መጋቢት 7/2018 ዓ.ም

07/03/2026

ሙሉእ መግለፂ ውድብና ውድብ ወለዶ ትግራይ (ወለዶ)።

Address

Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ውድብ ወለዶ ትግራይ-Tigrai Generation party posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share