ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን

ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን, Government Organization, Tigray, Mekelle.

08/05/2026

አገዳሲ ሓበሬታ፡ ሕፀ ንዝለዓለ ሽልማት ዓለም-ለኸ ቃል ኪዳን ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣፍሪካ ( ICA Africa Cooperative Excellence Awards 2026)
ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን፣ ኣቦ መንበር ማሕበር ሓለፎም ገዛኢ ኣበራን (ዶ/ር) ንዝለዓለ ሽልማት ዓለም-ለኸ ቃል ኪዳነ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣፍሪካ ICA ኣብ ሰነ 2026 ኣቆፃፅራ ጎርጎረሳውያን ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ ከተማ ማፑቶ ንዝካየድ ዋዕላ ልዑል ሽልማት ሕፁያት ኮይኖም።
ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ካብ ምስረታኣ ጀሚራ እናሃበቶ ብዝመፅት ፋይናንሳዊ ኣገልግሎታትን ናብራ ዜጋታት ምቕያርን፣ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ፀበባ ትግራይ ንኣባላታ ብዝገበረቶ ህፁፅ መፍትሕን ድኽነት ንምውጋድ ካብ ከተማ ክሳብ ገጠራት ዘሊቓ ብእትገብሮ ዘላ ልምዓት ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ ምዕባለን እያ Top 30 Cooperatives Driving Financial Inclusion ብዝበል ንዝለዓለ ሽልማት ዓለም-ለኸ ቃል ኪዳን ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ኣፍሪካ ICA ተሓፅያ።
ኣቦ መንበር ቦርድ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ሓለፎም ገዛኢ ኣበራ (ደ/ር) ብወገኑ ፋና መናእሰይ ዕውታት ስራሕቲ ክትዓምምን ብፍላይ ኣብ ዘጋጠሙ ፀገማት መፍትሒ ኣብ ምንዳይን ዘሎ ድኽነት ናይ ምውጋድ ልምዓታዊ ተግባራት ፃዕሪ ፋና መናእሰይ ክብርኽን ንዝገበርዎ ህርኩት ንጥፈትን ኣመራርሓን፣ ፅኑዕ ዕላማን ተግባርን ከምኡ እውን ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ማይክሮፋይናንስ፣ ትምህርቲ፣ ሃገራውን ዓለምለኻውን ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለው 50 ቅድሚት ዝስርዑ ፅዕንቶ ፈጠርቲ መራሕቲ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ( Top 50 Most Influential Cooperative Leaders in Africa ) ሓደ ኮይኖም እዮም ተሓፅዮም።
ስለዝኾነ ኹልና ኣባላትን መላእ ሕብረተሰብን እንህቦ ደገፍ ዓቢይ ዋጋ ስለዘለዎ ኣብ ሊንክ፡-
https://icoop.ai/awards/ica-africa-2026/vote
እናኣተና ድምፅና ንፋና መናእሰይን (Fana Youth Saving and Credit Cooperative)፣ ንኣቦ መንበር ፋና መናእሰይ ሓለፎም ገዛኢን (ዶ/ር) (Dr. Halefom Gezaei Abera) ኣብ ዝብል ድምፂ ብምሃብ ክዕወቱ ክንገብር ሰናይ ፃዊዕትና ነቕርብ።
https://icoop.ai/awards/ica-africa-2026/vote

Please share and vote for Dr. Halefom

07/04/2026

ብዳይሬክቶሬት ሪጉላቶሪ
ብኢንስፔክሽን መሰረት ስጉምቲ ዘውስዱ ነጥቢታት
 ቁፅፅር ኮሚቴ ዘይብሉ ሕ/ስ/ማሕበር
 ሓላፍነቶም ዘይዋፅኡ ኣመራርሓ ቁፅፅር ስራሕ መካየዲ ዘለዎ ሕ/ስ/ማሕበር
 ኩሎም መምርሕታት ዘይብሉ ሕ/ስ/ማሕበር በቲ መምርሒ ዘይሰርሕ ሕ/ስ/ማሕበር
 ምስ ቁ/ሰራሕተኛታት ዝኣተዎ ውዕል መሰል ዘየክብር ሕ/ስ/ማሕበር
 ናይ ልቃሕ ዕዳጋ ግዝኢት መኽዝን ቁ/ሰራሕተኛታት ሒሳብ ንብረት መኽዝን መምርሕታት ዘይብሉ ሕ/ስ/ማሕበር ካብ ኣባላት ወፃኢ ዕዳጋ ዝፍፅም ሕ/ስ/ማሕበር
 ልቃሕ ብእዋኑ ዘይህብን ዘይምልስን
 ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ብጊዜያዊ ሰርተፊኬት ዝሰርሐ ሕ/ስ/ማሕበር
 ናይ ጠ/ጉባኤ ኣመራርሓ ቁፃር ሰራሕተኛ ስሩዕ ኣኬባታት ዘየካይድ
 ካብ ኣዋጅ ዝነፀሮ ምልኣተ ጉባኤ ወፃኢ ውሳነ ዘመሓላልፍ ሕ/ስ/ማሕበር (ምልኣተ ጉባኤ ከይመልአ) 50+1ወይ 2/3
 ጠ/ጉባኤ ፣ ኣመራርሓ፣ ቁፅፅርን ካልኦትን ካብ ዝተውሃቦም ስልጣን ወፃኢ ውሳነ ኣማሓላሊፎም እንትርከቡ
 ናይ ልቃሕ መረዳእታ ብኣግባቡን ብንፁርን ዘይሓዘ ሕ/ስ/ማሕበር
 ናይ ሕ/ስ/ማሕበር ገንዘብን ንብረትን ንውልቀ ጥቅሚ ዘውዓለ ሕ/ስ/ማሕበር
 ኦዲት ሪፖርት ናብ ጠ/ጉባኤ ዘየቅርብ ሕ/ስ/ማሕበር
 ብኦዲትን ኢንስፐክሽንን ዝተውሃበ ሪኢቶ ተግባራዊ ዘይገብር ሕ/ስ/ማሕበር
 ብተወሳኺ ብኤጀንሲ/ሕ/ስ/ማ/ዕ/ልምዓት ጥፍኣት ኢሉ ዝኣመነሎም ስጉምቲ ክወስዱ ይኽእሉ።
 ብኣዋጅ ኣሰራርሓ መ/ደንቢ ስሪት ዘይምስራሕ
 ናይ ኣባላት ጥቅሚ ዘይምኽባር ብሕ/ስ/ማሕበር መትከላትን እሴታትን መሰረት ጌራ ዘይትሰርሕ ናይ ቁፃር ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓ ልዕልነት ዘርኢ ከም ሽርክና ሼር ካምፓኒ ዝሰርሕ ማሕበር

07/04/2026

ብዳይሬክቶሬት ሪጉላቶሪ
ንምዝገባ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ክማልኡ ዝግበኦም ነጥቢታት
 ንሕጋዊ ቀዋሚ ወይ ጊዚያዊ ሰርተፊኬት 60-30 ብር ዝተኸፈለ ምዃኑ ጊዚያዊ ልዕሊ ዓመት ዘይሓለፎ ምዃኑ
 በቲ ዕላማ መሰረት ንምስራሕ ዘኽእል ኩነታት ምህላው/ኣብ መ/ደንቢ ዝተነፀረ
 ቋሚ ናይ ሕ/ስ/ማሕበር ቤት ፅሕፈት ምህላዉ
 ሕጋዊ ማሕተም ማሕበር ሙሉእ ስም ኣርማ ሓ/ዝተወሰነ ዝብል ምህላው
 ቢዝነስ ፕላን ምህላዉን ምፅዳቅን
 ቃለ ጉባኤ መስረቲ ኣባላት ስም ኣድራሻ ት/ቲ ወራሲ ፌርማ ዝሓዘ ዝተመረፁ ኮሚቴታት ስም ኣድራሻ ት/ቲ ሓላፍነት ዕድመ ፌርማ
 መዋፃኣይነት ፅንዓት
 ብጠቅላላ ጉባኤ ዝፀደቀ መ/ደንቢ ስሪት
 ናይቲ ማሕበር ኣባል ዝኸፈልዎ ዕፃን መመዝገቢን ቡክ ተከፊቱ ምኳኑ መረዳእታ
 ንፋይናንስ ናይ ሰርቲፌኪት 60 ወይ 30 ብር ዝኸፈሉሉ መረዳእታ
 መዛግብቲ ሰነዳትን ቃለ ጉባኤ ፣ ኣባላት ፣ናይ ልቃሕ ተሳትፎ ንብረት መዝገብ ወዘተ ምምልኡ
 ሒሳብ መዛግብትን ሰነዳትን ኣታዊ ወፃኢ መዝገብ ሌጀር፣ ኣጠቃላሊ፣ መዝገብ ንብረት ኣታዊ፣ ንብረት ወፃኢ ፣ ንብረት መረከቢ፣ መተመኒ ፎርሚ፣ ኣታዊ ካርነ ፣ ወፃኢ ካርነ ዘለዎም ዝዓደጉን ዘሀተሙን ምኳኖም ቢንካርድን ስቶክን ምትእትታዎም ዝተመረፁ ኮሚቴታት ስም ኣድራሻ ት/ቲ ሓላፍነት ዕድመ ፌርማ
 መዋፃኣይነት ዕንዓት
 ብጠቅላላ ጉባኤ ዝፀደቀ መ/ደንቢ ስሪት
 ናይቲ ማሕበር ኣባል ዝኸፈልዎ ዕፃን መመዝገቢን ቡክ ተከፊቱ ምኳኑ መረዳእታ
 ንፋይናንስ ናይ ሰርቲፌኪት 60 ወይ 30 ብር ዝኸፈሉሉ መረዳእታ ቴምቢር ምልጣፎም
 መዛግብቲ ሰነዳትን ቃለ ጉባኤ ፣ ኣባላት ፣ናይ ልቃሕ ተሳትፎ ንብረት መዝገብ ወዘተ ምምልኡ
 ሒሳብ መዛግብትን ሰነዳትን ኣታዊ ወፃኢ መዝገብ ሌጀር፣ ኣጠቃላሊ፣ መዝገብ ንብረት ኣታዊ፣ ንብረት ወፃኢ ፣ ንብረት መረከቢ፣ መተመኒ ፎርሚ፣ ኣታዊ ካርነ ፣ ወፃኢ ካርነ ዘለዎም ዝዓደጉን ዘሀተሙን ምኳኖም ቢንካርድን ስቶክን ምትእትታዎም

07/04/2026

ብዳይሬክቶሬት ሪጉላቶሪ
ኣብ መተሓዳደሪ ደንቢ ክካተቱ ዝግበኦም ነጥቢታት
 ናይ ሕ/ስ/ማሕበር ስምን ኣድራሻን ኣርማን
 ናይ ሕ/ስ/ማሕበር ዕላማን ተግባርን
 ናይ ሕ/ስ/ማሕበር መትከላትን እሴታትን
 ናይቲ ማሕበር ምምሕዳራዊ መዋቅር
 ናይ ስራሕ ቦታ
 ኣባል ንምዃን ዘብቅዑ ረቋሒታት
 ናይ ኣባላት መሰልን ግቡእን ኣባላት ካብ ማሕበር ብዝተፈላለየ ምኽንያት እንትፍለዩ ብኣግባቡ ምፍፃሙ
 ብሕ/ስ/ማ ዝካየዱ ኣኼባን ኣወሃህባ ድምፅን
 ፍሉይ ጉባኤ ምልኣተ ጉባኤን ዝድለየሉ ጉዳይ
 ናይ ኣመራርሓ ኣካላት ስልጣንን ሓላፍነትን
 ናይ ኣመራርሓ ሓላፍንትን ቁፅፅር ኮሚቴ ስልጣን ዘመን
 ዝተመረፁ ኣመራርሓ ካብ ስልጣን ዝውገደሉ ኩነታት
 ኣግባብ ኣቆፃፅራ ሰራሕተኛታት
 ሕ/ስ/ማሕበር እንትከፋፈል እንትፈርስ እንትውሃድ ዝህሉ ስርዓት
 ናይ ማሕበር በጀት ዓመት
 ናይ ማሕበር ኣጠቃቅማን ኣተሓሕዛን በጀት
 ናይ ማሕበር ልቃሕ ኣወሳስና
 ብዛዕባ ሒሳብ ምርመራ /ኦዲት
 ኣመዳድባ ትርፊ መቐሎ
 ናይ ሕ/ስ/ማሕበር መ/ደንቢ ብ2/3 ድምፂ ምፅዳቕ
 ብዛዕባ ንግዲ ትልሚን መዋፃኣይነትን ምይይጥ
 ብመትከላት ሕ/ስ/ማሕበር መሰረት ኣኼባ ምክያድ
 ካልኦት ደገፍቲ ኣዋጃት/ ናይ ቀረባ ጊዜ ናይ መንግስቲ ኣዋጃትን

07/04/2026

ብዳይሬክቶሬት ሪጉላቶሪ
መሰል ኣባላት ሕ/ስ/ማሕበር
 ንኣባላት ማሕበር እትህቦም ግልጋሎትን ጥቅማ ጥቅምን ይረኽቡ ዶ ኣለዉ እታወታት ሸቀጥ ካልኦት ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት፣ፍሪያት ሕርሽኦም ዕዳጋ ንምግዛእ/ንምሻጥ ዝተመቻቸወሎም
 ኣብ ጉባኤ ኩሎም ዶ ይርከቡ ድምፂ ምሃብን ምውሳንን ብማዕረ ድምፂ /ካብ ማሕበር እንትሰናበቱ ድሕሪ ኦዲት ክረኽብዎ ዝግባእ ጥቅማ ጥቅሚ ይረኽቡ ዶ ጥቅሙ ንዝመሰሎ ምምሕላፍ ዕፃን ከመይ እዩ
 ኣባላት ተጠቃምንት ትርፊ ክፍፍል በቢዓመቱ ዘይምክፍፋል ኣሎ ድዩ
ግቡእ ኣባላት ሕ/ስ/ማሕበር
 ናይ ማሕበር መ/ደንቢ መምርሒታት ውሳነታት ምኽባር
 ኣብ ናይ ሕ/ስ/ማሕበር ስራሕቲ ምስታፍ
 ሕ/ስ/ማሕበር ዝዕድጎምን ዝሸጦምን ፍሪያት እታወታት ሸቐጥ እኽሊ ምስታፍ
 ኣብ ስሩዕ ጉባኤ ኣኬባ ምስታፍ

07/04/2026

ብዳይሬክቶሬት ሪጉላቶሪ
ስልጣንንተግባርን ጠ/ጉባኤ
 ናይ ሕ/ስ/ማሕበር ጠቅላላ ምንቅስቃስ ይግምግም ውሳነታት የመሓላልፍ
 ናይ ማሕበር መ/ደንቢ ውስጠ ስሪት የፅድቅ የመሓይሽ
 ኣመራርሓ ኮሚቴ ቁፅፅር ካልኦት ንኡሳት ኮሚቴታት ይመርፅን የውርድን
 ናይ ማሕበር ዕፃ መመዝገቢ ይውስን
 ናይ ኦዲት ሪፖርት ይሰምዕ ይውስን
 ትልሚን በጀትን ይውስን የፅድቕን፣
 ሕ/ስ/ማሕበር ፣ንኽፈርስ፣ክዋሃድ፣ሽም ክቕይር፣ሓደሽቲ ፕሮጄክትታት ክጋፋሕ ይውስን ፣የፅድቕ
 ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሪፖርት ይሰምዕ ይውስን
 ናይ ማሕበር ዝተፃረየ ትርፊ ይድልድል
 ዓመታዊ ናይ ስራሕ ትልምን በጀትን የፅድቅ
 ብኣመራርሓ ዝቀረበሉ ኣጀንዳ ይምርምር ይውስን
 ኣብላጫ ድምፂ ውሳነታት ንስሩዕ 50% +1 ንፍሉይ ብ2/3 እዩ
ኣመራሓ ቦርድ
 ብጠ/ጉባኤ ዝተመረፁ ምዃኖም
 ኣመራርሓ በዝሒ ብመተሓዳደሪ ደንቢ ምዃኑ ምርግጋፅ
 ስሩዕ ኣኼበኦም ዘካየዱ ምዃኖም ሰሪሖም ዝዋፅኡ ምዃኖም
 ንዝተኣከብሉን ዝወሰንዎን ቃለ ጉባኤ ዝሕዙ ምዃኖም ዝፍርሙ ምዃኖም
 ውሳነታት ኣመራርሓ ብኣብላጫ ድምፂ ዝውሰን ምዃኑ
ስልጣን ሓላፍነትን ኣመራርሓ ቦርድ
 ናይ ኣኼባ ኣጀንዳ ይቀርፅ
 ናይ ኣኼባ ቃለ ጉባኤ ይሕዝ
 ናይ ማሕበር ጠ/ጉባኤ ይመርሕ (ብኣቦወንበር)
 ናይ ማሕበር ካርኒታት /ሒሳብ መዛግብቲ፣ ንብረት ሰነዳትን ብኣግባቡ ይጠቅብ
 ናይ ማሕበር ዓመታዊ ናይ ስራሕ ትልምን በጀትን የዳልው
 ብጠ/ጉባኤ ዝፀደቅሉ ትልሚን በጀትን ኣብ ስራሕ ተግባራዊ ይገብር
 ብናይ ማሕበር መ/ደንቢ ጠ/ጉባኤ ይፅውዕ
 ውሳነታት ጠ/ጉባኤ የፍፅም
 ናይ ስራሕ ምንቅስቃስ ሪፖርት ናብ ጠ/ጉባኤ የቅርብ
 ቁፃር ሰራሕተኛታት ትካል ይቆፅር፣ ይቆፃፀር፣ ው/ተኮር ማናጅር ይመልእ የባርር የዕብይ

07/04/2026

ብዳይሬክቶሬት ሪጉላቶሪ
ትልሚን በጀትን ሕ/ስ/ማሕበር ዝምልከት
• ትልምን በጀትን ብእዋኑ ተዳልዩ ብጠ/ጉባኤ ዝፀደቀ ምዃኑ
 ቅድም ዝተኣወጀ ዕፃ ዝተሸጠ ዕፃ ዳግም ዝተኣወጀ ዕፃ ካብኡ ዝተሸጠ
 ነቲ ትልሚ መፈፀሚ በጀት ምህላውን ምፅዳቅን
 እቲ ትልሚ ደረጅኡ ዝሓለወ ቅደም ስዓብ ሒዞም ክካተት ዝግባእ ኩሉ ምክታቱ ዳህሳስ ሕሉፍ ኩነታት ፣መእተዊ፣ ራኣይ፣ ልኡኽ፣ ዕላማ፣ ሽቶ ፣ኣንፈት ኣፈፃፅማ፣ዝርዝር ስራሕቲ፣ ፈፀምቲ ኣካላት፣ ገንዘብ፣ ማተርያል ፣መበገሲ ሃፍትን ዕዳነ ፣ትርፍን ክሳራን፣ ካሽ ፍለውን ፣ከጋጥም ዝኽእል ፀገምን መፍትሕን
 ነቲ ትልሚ ንምፍፃም ክትትል ኣለዎ ድዩ
 ናይ ኣባላት ድሌት ዘማለአ ትልሚ ድዩ /ጠለብ
ኣወዳድባ ኣመራርሓ ኣካላት ዝምልከት
 ጠ/ጉባኤ ብዝካየደሉ ኣኼባ ዕለት ምክያዱን
 ቃለ ጉባኤ ፣ጉባኤተኛታት ንበይኑ ዝተታሓዘ ምዃኑ
 ጉባኤተኛታት ወሲኖም ዝፈርሙ ምዃኖም
 ውሳነታት ብድምፂ ብልጫ ዝፀደቀ ምዃኑ መረዳእታ ምህላዉ
 ዓበይቲ ውሳነታት ብጠ/ጉባኤ ዝውሰኑ ምዃኖም ስልጣን ጠ/ጉባኤ ኣመራርሓ ዝተፈላለየ ምዃኑ

06/04/2026

ኤጀንሲ ሕ/ስ/ማሕበራትን ል/ዕዳጋን ትግራይ ምስ መርሲ ክሮፕስ ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ኣካል ብምትሕብባር ንሰራሕተኛታቱ ሎሚ መዕበዪ ግንዘበ ስልጠና ሂቡ
ሕ/ስ/ማሕበርን ል/ዕዳጋን ትግራይ ሕ/ስብና ፍትሓዊ ዕዳጋ ንክረክብ፣በቢከን ናይ ስራሕ ምንቕስቃሳቱን መሰረት ዝግበረ ዉደባ ብምጥቓም ቁጠባዊ ዓቅሙ ዘዕብየሉ ፣ኣብ ሕ/ስ/ማሕበራት ዝተመረተ ምህርቲ ዕዳጋ ኣብ ምትእስሳር ዓቢዪ ግደ ዝገብር ዘሎ መንግስታዊ ትካል እዩ ክብሉ ሓላፊ ኤጀንሲ ኣይተ ብሩህ ዘፈሩ ሓቢሮም።ነዚ ኤጀንሲ ዘንቀሳቕስ በዓል ሞያን ብሓፈሻጠቕላላ ሰራሕተኛን ክበቅዕ ስለዝግበኦ ምስ መርሲ ክሮፕስ ብምትሕብባር እዚ መዕበዪ ግንዛበ ስልጠና ተዳሊዩ ኣሎ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ስልጠና ንዝቐርቡ ቁም ነገራት ምሉእ ልቦና ብምሃብ ክትከታተሉይላቦ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።
መተሓባበሪ መርሲ ክሮፕስ ዝኾኑ ኣይተ ንጉስ ብወገኖም መርሲ «ክሮፕስ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ ሲድ ኢንሰኩሪቲ ሪስፖንስ ማለት እዉን ኣብ ዙርያ ምርግጋፅ ዉሕስና ዘርኢ ዝነጥፍ ትካል ከምዝኾነ» ሓቢሮም።ብዋንነት ድማ እኹል ቀረብ ዘርኢ ንክህሊ፣ምስ ዓቕሚ ሕ/ሰብ ፣ግዜን መጠንን መሰረት ዝገበረ ተበፃሓይነት ክህሊ፣ዝቐርብ ዘርኢ ፅሬቱ ዝሓለወ ንክኸዉን ዕላማ ጌሩ ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል ከምዝኾነ ወሲኾም ሓቢሮም።ካብ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበሉ ሪኢቶታትን ሕቶታትን ዝቐረቡ እንትኾኑ ኣብ መወዳእታ ብዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ብምሃብ እቲ ስልጠና ብዕዉት መንገዲ ተዛዚሙ።

ኤጀንሲ ሕ/ስ/ማሕበራትን ል/ዕዳጋን ትግራይ ንሰብሞያ ሚድያን ኮምኒኬሽንን፣ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ክልል ማለት እዉን ካብ ሲ/ሰርቪስ፣ኮሚሽን ፕላን፣ቢሮ ፋይናንስ፣ቢሮ ፍትሕን ካልኦትን ዕ...
13/03/2026

ኤጀንሲ ሕ/ስ/ማሕበራትን ል/ዕዳጋን ትግራይ ንሰብሞያ ሚድያን ኮምኒኬሽንን፣ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ክልል ማለት እዉን ካብ ሲ/ሰርቪስ፣ኮሚሽን ፕላን፣ቢሮ ፋይናንስ፣ቢሮ ፍትሕን ካልኦትን ዕድመ ዝተገበረሎም ሰብ ሞያታት ኣብ ዙርያ ስራሕቲ ኤጀንሲ ሕ/ስ/ማሕበራትን ል/ዕዳጋን መዕበዩ ግንዘበ ስልጠና ሂቡ።

Address

Tigray
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share