ውድብ ናፅነት ትግራይ-Tigray Independence Party

ውድብ ናፅነት ትግራይ-Tigray Independence Party እዚ ናይ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት) - Tigray Independence Party ወግዓዊ (Official) ናይ ፌስቡክ ገፅ እዩ።

መቐለ - ትግራይ

A Statement from the Tigray Independence Party(TIP): A Call to the International Community
18/07/2026

A Statement from the Tigray Independence Party(TIP): A Call to the International Community

18/07/2026

".... ከም 'ዙይ ዓይነት ብሔራዊ ክሕደት ኣብ ዓለም የለን....ከም'ዙይ ዓይነት ተሞክሮ ኣብ ዓለም የለን: ምስ መጽነቲ ኮይንካ ኣንጻር ህዝብኻ ምስላፍ: እስራኤላዊያን ምስ ናዚስት ኮይኖም ወይ ምስ ሂትለር ኮይኖም ወፊሮም ማለት 'ኮ 'ዩ ብካልእ ኣባህላ..."

ኣቦ-መንበር ውድብና ናጽነት ብጻይ ዶ/ር ገብረመድህን ሮምሃ Gebremedhin Romha ምስ ቴሌቭዥን ድምጺ ወያነ ካብ ዝነበሮ ጻኒሒት

16/07/2026

"ኣብ ዘይሕጋዊ 'ምኽክር ኮሚሽን' ኢትዮጵያ ዝሳተፉ ዘለዉ ውልቀሰባት ተጋሩ ብታሪኽ፣ ብሞራልን ብሕግን ታሓተቲ 'ዮም!"

ኣባል ፈጻሚት ሥራሕን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሚዲያን ውድብና ናጽነት ኣይተ ገብረሥላሴ ካሕሳይ Gebreselassie Kahsay ኣብ ቀጥታ ፈነወ ቴሌቭዥን ድምጺ ወያነ ዝነበሮ ጻንሒት

ኣብ  #ቐዳማይ  #ብሔራዊ ዋኒን! ምግላስን ምትካስን የለን!  #ውድብ ናፅነት ትግራይ  ኣብ ቐዳማይ ብሔራዊ ዋኒን ትግራይ:  ጉዳይ ምምላስ ሉዓላውነት ትግራይን ተመዛበላይ ህዝብናን  ዝታኸስ...
12/07/2026

ኣብ #ቐዳማይ #ብሔራዊ ዋኒን! ምግላስን ምትካስን የለን!

#ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣብ ቐዳማይ ብሔራዊ ዋኒን ትግራይ: ጉዳይ ምምላስ ሉዓላውነት ትግራይን ተመዛበላይ ህዝብናን ዝታኸስ ኮነ ዘግልስ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ውድብ ናፅነት ትግራይ ተፃዋርነት የብልናን።"
ካብ ውድብ ናፅነት ትግራይ ተወሰደ::

11/07/2026

ዕለት ፬ (04)ሓምለ ፳፻፲፰(2018)
ካብ ውድብ ናጽነት ትግራይ(ናጽነት) ዝተውሃበ እዋናዊ መግለጺ

ውድብ ናፅነት ትግራይ ናፃን ልዑላዊትን ሃገረ-ትግራይ ንምምስራት ዓሊሙ ዝተመስረተ ውድብ እዩ። ነዚ ዓብዪ ታሪኻዊ ሸቶ ናብ ፍጻመ ንምብጻሕ ድማ ንጡፍ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ትግራይ ወሳኒ ምዃኑ እምነትና እዩ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ: መረበት ቤቱ ተመንዚዑ: ኣብ ትሕቲ ኣጽነቲ ሓይሊታት ኣትዩ:ኣብ ታሪኹ ርእይዎ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ፈተና ጢሒሉ ይርከብ። ልዕሊ 40% ግዝኣቱ ተመንጢሉ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ዝተሰደደን ዝተፈናቐለን ህዝቢ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ስቓይን መከራን ይርከብ ። ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣብ ቀዳማይ ብሔራዊ ዋኒን ትግራይ: ጉዳይ ምምላስ ሉዓላውነት ትግራይን ተመዛበላይ ህዝብናን ዝታኸስ ኮነ ዘግልስ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከም ውድብ ናፅነት ትግራይ ተፃዋርነት የብልናን።

ግዝኣትና ወሪሩ፣ በጀት፣ ነዳድ፣ጥረ ቅርሽን ፣ካልኦት ኣቕርቦትን ዓፅዩ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ዝፍፅም ዘሎ ኣፅናቲ ሓይሊ ብልፅግና ሀዚ እውን ናብ ንጡፍ ፅንታዊ ኲናት ክኣቱ ተዳልዩ ንትግራይ ብሰራዊትን ኣፅዋርን ይኸብብ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ውድዓዊ ኩነታት ትርኑዕ፣ ዋልታ ዓዱን ህዝቡን ዝኾነ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ (TDF) ብኹሉ ዓይነት ዓቕሙ ክጠናኸር ከም ዘለዎ ውድብ ናፅነት ትግራይ ይኣምን ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ(TDF) ክህነጽን ብዝያዳ ክጠናኸርን ዘለዎ ግን ተናቢብካን ታኣማሚንካ ብስርዓታዊ ኣገባብ ጥራሕ ምኳኑ ነገንዝብ ።

ህዝቢ ትግራይ ንመንነቱን ብሔራዊ ክብሩን ቀናኣይን ተቓላሳይን: ነዊሕ ተመኩሮ ቃልሲ ዘለዎን ከም ህዝቢ ጅግና ብሔርተኛ ህዝቢ እዩ። ጅግንነት ህዝቢ ትግራይ ንካልኦት ኣብነት ምዃኑ ታሪኹ ጥራሕ እንከይኮነስ: ጸላእቱ 'ውን ምስክሩ እዮም ። እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ ድልየትን ባህግን ተጋሩ ዝኾነ ናጽነትን ሃገርነትን ከም ብሔራዊ ፖለቲካዊ ዕላማ ወሲዱ ብወግዒ ክንጽር፡ ብመንገዲ ምምስራት ሓቛፍን ምዕሩይን መንግስቲ ኣቢሉ ቅቡል :ዝእመንን ዘተኣማምንን ዓቕሚ ክፈጥር ዘይከኣለ መሪሕነት፤ ብሔራዊ ጠለብ ናጽነት ከም ፖለቲካዊ ዕላማ ኣብ ክንዲ ተቐቢሉ ኣሚኑ ዘእምን መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ብስም ተደጋጋሚ ናይ ወዘተ "መኸተ" ከሰልፍ ምፍታኑ ዝገጠሞ ናይ ቅቡልነት ተቓውሞ ብግዱድ ምልመላ ሰራዊት ክፈትሕ ፈቲኑ ኣሎ። ግዱድ ምልመላ ሰራዊት: ንክብሪ ገድልን ተጋዳላይን ትግራይ ዘይምጥን፣ ንስብእናን ረዚን ታሪኽን ትግራዋይነት ፈጺሙ ዘይገልጽን 'ዩ። ፈጺሙ ስሑት ኣካይዳ ዝኾነ ግዱድ ምልመላ ሰራዊት: ብኣውርኡ ብሞራል፣ብሕግን ፖለቲካን ቅቡልነት ዘይብሉ ጽያፍ ተግባር ስለዝኾነ: ብህጽጽ ጠጠው ክብል ነተሓሳስብ።

ምስ'ዙይ ተዛሚዱ ተቓውሞ ህዝቢ ትግራይ ንብልሹው መስርሕን መሪሕነትን ደኣ እምበር: ንፍትሓዊ ብሔራዊ ቃልሱ ከም ዘይኮነ ንጹር እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ትግራዋይ ዘቃለስ ፍትሓዊ ብሔራዊ ሕቶ ከም ዘይብሉ ዘደናግሩ ትግሪኛ ተዛረብቲ ጭፍራ ብልጽግና : መንእሰይ ትግራይ ተሰዲዱ ፋሕ ጭንግራሕ ክብል: ሰራዊት ትግራይ ተብቲኑ ናብ ኢድ ኣሸቃሊኦም ብልፅግና ክኣቱ: ዓዲ ክፈርስን ህዝብና ክብተንን: መሊኦም ኣደዳ ጅምላዊ ጥፍኣት ክገብርዎ ብዘይ ሕንከት ይረባረቡ አለዉ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ : እዞም ኮማሮ ብልጽግና : ንጽንተት ኣሕሊፎም ዝሃቡኻ ሰራዊት ትግራይ ብድሮን እንክትድብደብ ዝጭፍሩ ወይ ከም ዘይረኣዩ ዘጽቅጡ ፤ ሓሳረ መከራ ተመዛበልቲ ከም ብሔራዊ ስቓይካ ዝከሓዱ ነውራማት ብሽም "ግፋ" ተሓለቕቲ መሲሎም ንብዓት ሓርገጽ ዘርእዩ መደናገርቲ ከም ወትሩኻ አስተባሂልካ ክትቃለሶም ይግባእ።

እዙይ ከም'ዙይ ኢሉ እንዳሃለወ: እቲ ኣብ ልዕሊ ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ምትእጉጓል: ኣካል ናይ'ቱ ምንዋፅን ሰላሕታዊ ጽንተትን ከም ዝኾነ ዘማትእ ኣይኮነን። ተምሃሮና ክጉላእልኡ ስለ ዘይግባእ ጎናጎኒ ኩሎም መማረጽታት ከምቲ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣእንፊቱዎ ዘሎ: ትግራይ ባዕላዊ ፍታሕ ክትገብር ንላቦ።

ቃልሲ ናጽነት ፍጹም ኣይኽበስን: ኣይኽለስን!
ናጽነት ንብሔራዊ ክብረት!
ውድብ ናጽነት ትግራይ(ናጽነት )
፬ (04)ሓምለ ፳፻፲፰(2018)
መቐለ: ትግራይ

ካብ ውድብ ናጽነት ትግራይ(ናጽነት) ዝተውሃበ ተሪር እዋናዊ መግለጺ
11/07/2026

ካብ ውድብ ናጽነት ትግራይ(ናጽነት) ዝተውሃበ ተሪር እዋናዊ መግለጺ

እዚ ናይ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት) - Tigray Independence Party ወግዓዊ (Official) ናይ ፌስቡክ ገፅ እዩ።መቐለ - ትግራይ
08/07/2026

እዚ ናይ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት) - Tigray Independence Party ወግዓዊ (Official) ናይ ፌስቡክ ገፅ እዩ።

መቐለ - ትግራይ

06/07/2026

#ምዕራብ ትግራይ ዘሀገሩ ተጋሩ ሰላም የብሎምን ! ትግራይ #ላእላውነታን #ሰላማን ትደልን ይግበኣን ።

    ~~~~~~~ውድብና ውድብ ናጽነት ትግራይ(ናጽነት) ብዕለት ፳ ሰነ ፳፻፲፰ ኣብ ዘሳለጦ ፫ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ: ፳፩(21) ኣባላት መሪሕነት ቤት ምኽሪ ናጽነት ከም  ዝመረጸ ዝዝከር 'ዩ። ...
04/07/2026


~~~~~~~
ውድብና ውድብ ናጽነት ትግራይ(ናጽነት) ብዕለት ፳ ሰነ ፳፻፲፰ ኣብ ዘሳለጦ ፫ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ: ፳፩(21) ኣባላት መሪሕነት ቤት ምኽሪ ናጽነት ከም ዝመረጸ ዝዝከር 'ዩ።

ካብ'ዚኦም ብትምህርታዊ ድሉውነቶምን ኣብ ቃልሲ ናጽነት ብዘለዎም ትርኑዕ ተሞክሮን: ውድብ ናጽነት ትግራይ ብዕለት ፳፩ ሰነ ፳፻፲፰ ነዞም ዝስዕቡ ፯(07) ብጾት ኣባላት መሪሕነት ፈጻሚት ናጽነት ገይሩ ሓርዩ 'ሎ።

፩) ዶ/ር ገብረመድህን ሮምሃ=>ኣቦ-መንበር ናጽነት Gebremedhin Romha
፪) ሓጋዚ ፕሮፌሰር ገብረሊባኖስ ገብረማርያም=> ምክትል ኣቦ-መንበር ናጽነት Gebrelibanos Gebremariam
፫) ኣይተ ገብረሥላሴ ካሕሳይ=>ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሚዲያን ናጽነት Gebreselassie Kahsay
፬) ኣይተ ኣቤል ገብረመድህን=> ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ናጽነት ኣቤል ገ.መድህን ወዲሓዊ
፭) ሓጋዚ ፕሮፌሰር ገብረሂወት ሃይለማርያም=> ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ናጽነት Gebrehiwot Hailemariam
፮) ኣይተ ኣብርሃ ካሕሳይ=>ሓላፍ ክፍሊ ውዳበ ናጽነት
፯) ኣይተ መብራህቶም ኣብርሃ => ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስን ምሕደራ ሃፍትን ገይሩ ሓርዩ 'ሎ።

ሠናይ ናይ ቃልሲ ግዘ ብጾት🙏

፳፯ ሰነ ፳፻፲፰

ቃልሲ ናጽነት ፍጹም ኣይኽበስን:ኣይኽለስን!❤

Address

ቅዱስ ሚካኤል ቤተክርስትያን ካቴድራል ናብ ዓዲሓውሲ መዕፀፊ ኣሰፋልት
Mekelle

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ውድብ ናፅነት ትግራይ-Tigray Independence Party posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share