20/05/2026
ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍልን ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍልን ፈተና ዝወሃበሉ ዕለት ዕላዊ ከምዝኾነ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዳይሬክተር ዳይርክቶሬት ምዘና ትምህርትን መፅናዕትን ዶክተር ኣረጋዊ ዘፈሩ ከምዝሓበርዎ፣ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ሰነ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ፣ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ድማ ካብ ሰነ 24 ጀሚሩ ክወሃብ እዩ ኢሎም።
እቲ ፈተና ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ትግራይ ኣብ 81 ወረዳታት ዝርከባ 1178 ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝወሃብ ዶክተር ኣረጋዊ ዘፈሩ ገሊፆም።
33 ሽሕን 116 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 63 ሽሕን 374 ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ፣ 15 ሽሕን147 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 29 ሽሕን 699 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ንፈተና ከቐርቡ ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሆም ።
ብተወሳኺ ፈተና 8ይ ከፍሊ ኣብ 1178 ፣ ፈተና 12 ከፍሊ ድማ ኣብ 9 መፈተኒ ጣብያታት ከምዝውሃብ፣ 14 ሽሕን 429 ተምሃሮ 12 ክፍሊ ብበይ-መረብ (ኦን ላይን) ፣ 15 ሽሕን 270 ተምሃሮ ድማ ብወረቐት ከምዝፍተኑ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም ።
ኣብ መወዳእታ ተፈተንቲ ተምሃሮ ዝግባእ ምዳላው ንኽገብሩ፣ መምህራን፣ ኣመራሓ ትምህርትን ወለድን ዝተጀመረ ሓገዝን ክትትልን አጠናኺሮም ንኽቕፅሉ በቢ ብርኩ ዝርከብ ሓይሊ ዕማም ድማ ነቲ ከይዲ ፈተና ከተሓባብሩን ዘድሊ ሎጂስቲክስ ኣብ ምቕራብ ግደኦም ክፃወቱ እቲ ቢሮ ፀዊዑ ።
ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
12 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ