እምባ ሓብሊ Emba habli

እምባ ሓብሊ Emba habli ሰማዕቲ በሪኽ/እምባ ሓብሊ

ሓጺር ገድሊ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስበስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን። ብፍጹም ሰላመ እግዚአብሔር ሰላም ንዓኩም ደቂ ተዋሕዶ፡ ሎሚ ፭(5) መጋቢት መጽሓፈ ስን...
14/12/2025

ሓጺር ገድሊ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።



ብፍጹም ሰላመ እግዚአብሔር ሰላም ንዓኩም ደቂ ተዋሕዶ፡ ሎሚ ፭(5) መጋቢት መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዘከሮም ቅዱሳን ኣበውን ቅድሳት ኣንስትን ክንርኢ።
* ዓመታዊ ክብረ በዓሎም
• ኣባ ሰራሞን
• ቅድስት ኣውዶክስያ
• ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
* ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ኣቡነ ፊሊጶስ ዘደብረ ቢዘን፡ ሓዋርያት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣለው፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵልና ኣመንቶምን ደቆምን ይኹነልና፡ ኣሜን። ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ካብቶም ዓመታዊ ክብረ በዓሎም ዝኾነ ክልተ ገድሊ ክንርኢ ኢና ምሥጢራቱ ይግለጸልና፡ ኣሜን።



"ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ ፣ መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር (መዝ፡112፡7)

ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ትውልዲ ሃገሩ ላዕላይ ግብጺ ንሂሳ ዝበሃል ቦታ ስም ኣቡኦም ስምዖን፡ስም ኣዲኦም ኣቅሌስያ ይበሃሉ። ን፴ (30)ዓመት ውላድ ብምስኣኖም ኣዝዮም እናኃዘኑ ንእግዚአብሔር ዘውትር ውላድ ንክህቦም ይልምንዎ ነበሩ፡ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ ኣምላኽ ጸሎቶም ሰሚዑ መጋቢት ፳፱(29) መዓልቲ ሰንበት ተፀንሱ ታኅሣሥ ፳፱(29) ተወልዱ። ዕለተ ልደቱ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ምስ ተወልዱ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ 'ስብሐት ለአብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ…፣ ምስግና ንኣብ፡ ምስጋና ንወልድ፡ ምስጋና ንመንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዘውፅኣካኒ'' ኢሎም ኣመስገኑ። ወዲ ሠለስተ ዓመት ምስ ኮኑ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ነጢቁ ወሰዶም፡ ኣቦና ክዳን ኣይተከድኑን መግቢ ኣይበልዑን ኣብ ክንድኡ ሃር ዝመስል ጨጒሪ ኣብ ነብሶም ከደኖም፡ ቅዱስ ገብርኤል ሣልሳይ ሰማይ ኣብጺሑ ንገዳም ኣስቄጥስ ወሰዶም፡ 300 ዓመት ኣብኡ ምስ ጸንሑ ንምድረ ኣግዓዚት (ንኤርትራን ንኢትዮጵያን) መጽዮም ወንጌል ኣስተምሃሩ። ንኣቦና ፷(60) ኣናብርን ፷(60) ኣናብስን ከም ቤተ ሰብን ኣገልገልትን ነበርዎም፡ ጸበል እግሩ ልሒሶም ይነብሩ ነበሩ።

ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተው ናብ ምድረ ከብድ ኣተው፡ ጐይታ ድማ ዝቋላ እዩ ቦታካ ስለዝበሎም ናብ ዝቋላ ምስ ከዱ እቲ ሕዝቢ ካብ እግዚአብሔር ዓልዩ፡ ናብ ካልእ ኣምልኾ ኸይዱ እግዚአብሔር ተቘጢዑ ጸንሖም፣ እሞ ምእንትኦም ንቊልቊል ኣፎም ተደፊኦም 'መሓረለይ' በልዎ። ጐይታ መጽዩ 'ውጻእ ይኣኽለካ እዩ!' ምስ በሎም፣ 'ከይመሓርካለይ ኣይወጽእን እየ' ኢሎም ኣበዩ ምሒረልካ ምስ በሎም ካብቲ ቀላይ ብ፭(5) ጥሪ ወጹ። ን፻(100) ዓመት ዝኣክል ምስ ሰይጣን ብመብረቅ ጌሮም እናቀጥቀጡ ኣሳቀይዎ፡ ንሰይጣን ብመብረቅ እንዳቀጥቀጥዎ እቲ ጎቦ እናፈረሰ ተወድአ፣ ደኃር እዚ ደኣ እንታይ ጎቦ ቆላ እምበር ብምባል ካብ ቆላ ዝቋላ ተባህለ እቲ ገዳም። ኣቦና እናጸለዩ ከለው ሰይጣን ርጉም ብኳኽ ተመሲሉ መጾም'ሞ ማይ ኣስትየኒ በሎም፡ ኣቦና ድማ ካብ ጸሎቶም ከይኩለፉ መታን ካብዚ ዓይነይ ስተ በልዎ እቲ ኳኽ ድማ ዝሰትይ መሲሉ ዓይኖም ኣንቁርዎም ከደ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ብርሃናዊ ዓይኒ ኣምጺኣ ተከኣትሎም፡ እዚ ዝኾነሉ ፭(5) ሓምለ እዩ። ኣቡነ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣቡነ ኣንበስ ዘሃሎ፡ ኣቡነ ብንያም ዘምድረ ግብጽ ኣብ ኣንበሳ ተጻዒኖም ንዝቋላ ምስ መጹ፡ ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣናብስት ነቶም ዝመጹ ኣናብስት በልዕዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ በዓቶም ምስ ወጹ እቲ ዝኾነ ዅሉ ነገርዎም ኣቦና ድማ ነቶም ኣናብስቶም ጸዊዖም፡ 'ንምንታይ ናይ ሰብ እንስሳ ትበልዑ፣ ትፍእዎም!' ምስ በልዎም ብኡ ንብኡ ተፍእዎም በዚ ኵሎም ተገረሙ እዚ ዝኾነሉ ፭(5) ጥቅምቲ እዩ።

ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ን፷(60) ዓመታት ወንጌል ኣብ ሃገርናን ኢትዮጵያን ምሂሮም ኣጥሚቆም ብዙኅ መንፈሳውያን ዝኾኑ ሥራሕ ሠሪሖም ሽዑ ጐይታ ተገሊጹ 'ገብረ አብ፡ ገብረ ወልድ፡ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ይኹን ስምካ' ብምባል ስም ሃቦም ከምቲ ኣብ መዝ ፰፱፡፫ (89፡3) ዘሎ ኃይለ ቃል 'ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ ፣ ምስቶም ዝኃረኽዎም ኪዳን ኣተኹ' ዝበሎ ንኣቦና ድማ ኪዳን ኣተወሎም ስምካ ዝጸውዐ፡ ዝኽርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ዝሑል ብርጭቆ ማይ ዘስተየ፡ ገድልካ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ፡ዘንበበ፡ ዝሰምዐ፡ ቤተክርስትያንካ ዘሥርሐ፣ ጥዋፍ፡ስርናይ፡ ወይኒ----ወዘተ ዝሃበ ኣነ ክምሕረልካ እየ ብምባል ቃል ኪዳን ተቀቢሎም ብ፭(5) መጋቢት ብ562 ዓመቶም ብ1415 ዓ.ም. ዓርቢ መዓልቲ ነፍሶም ካብ ሥግኦም ተፈልየት። ቅዱሳን መላእክቲ መጺኦም ብሽብሸባ 'ወተቀበልዎ መላእክት አብእዎ ኢየሩሳሌም' ከም ዝበለ እናዘመሩ ናብቲ ክቡር ቦትኡ ወሰድዎ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሥግኦም ኣብ ምድሪ ኣይተቀብረን፡ ኣብ ሠረገላ ኤልያስ ካብ ዝተቀመጡ ቅዱሳን ሓደ እዮም። እቶም ኣብ ምድሪ ቅዱስ ሥጋኦም ዘይተቀብሩ ኣብ ሠረገላ ኤልያስ ዘለው ቅዱሳን ኣበው እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
1. ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ 562 ዕድሚኦም ብ5 መጋቢት
2. ሕፃን ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስ ኣብ 3 ዓመቱ ብ15 ጥሪ
3. ቅዱስ ዮሴፍ ሓላዊ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ 114 ዕድሚኡ ብ26 ሓምለ (ኣረጋዊ ዮሴፍ ወይውን ሕጹይ ማርያም ተባሂሉ ዝፍለጥ)
4. ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ብ2 መስከረም
5. ካህን ዘካርያስ ኣቦ መጥምቀ መለኮት ብ8 መስከረም
6. ዳግማዊ ቅዱስ ቂርቆስ ወልደ ቅድስት ክርስቶስ ሠምራ ወዲ 3 ዓመት እዮም።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ብዙኅ ቦታታት እኳ ታቦቶም ተቀሪጹ እንተሎ ገለ ካብኡ ግና 'ደረዓንቶ' ኣብ ዝብሃል ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብፍሉይ ተኣምራት ዝፍጸመሉ፡ ድውያን ዝሓውዩሉ ኸም ሽኮርያን ጸብኣ ጸላኤ ሠናያትን ብብዝኂ ዝሓውዩሉ ቦታ እዩ'ሞ፡ ኣብኡ ኬድና ክንፍወስን በረኸት ጻድቕ ኣቦ ክንቅበል ቤተ ክርስትያና ተዘካክር።

ሰላም ለከ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ረቡኒ፡
ዘአናብስተ ታሰግድ ወአራዊተ ታቀኒ፡
እንዘ ኢተኃሥሥ መፍቅደ ሥጋ ወኢታመክኒ፡
ተሴስዮ ሣዕር ወተዓርዞ ቈጽል ምንተኒ፡
አናኅሰይኮ ለዓለም ማሳኒ።

ምንጪ፦ ስንክሳር መጋቢት ፭(5) ተመልከት

'ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘልኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።' ሮሜ 11፡36

ብዲያ ዳንኤል ኣብርሃም
4 መጋቢት 2012 ዓ.ም.
13 መጋቢት 2020 ፈረንጂ

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኀዱ አምላክ! በአታ ለማርያም !!!!*እታ ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ* ፥በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ...
12/12/2025

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኀዱ አምላክ!

በአታ ለማርያም !!!!

*እታ ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ*

፥በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴይ፡ ካብ ቤት ዳዊት ካብ ዝኾኑ ኢያቄምን ሓናን ሕጋዊ ብዝኾነ ሩካቤ ዝተረኽበት ጓል መብጽዓ እያ። ምስ ተወልደት ኣብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ ወሲዶም ንቤተ መቅደስ ሃብዋ። ውሉድካ ንቤተ እግዚአብሔር ምሃብን ኣብኡ እናኣገልገሉ ከምዝዓበዩ ምግባርን ኣብቶም ቅዱሳን ወለዲ ልሙድ እዩ። ከም በዓል ነቢይ ሳሙኤል ኣብ ቤተ መቅደስ ዓብዮም ምሉእ ሕይወቶም ንእግዚአብሔር ዝተወፈዩ እዮም ነይሮም።
ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ቅድመ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት እያ’ሞ ገና ኣፋ እኽሊ፡ ከብዳ ድማ ዘመድ ከይለመደ ካብ ሕቍፊ ኣደኣ ሓና ተወሲዳ፣ ንሥላሴ ከም ኣቦን ኣደን፡ ንመላእኽት ድማ ከም ኃውን ኃፍትን ገይራ ኣብ ቤተ መቅደስ ንክትዓቢ ብ3 ታኅሣሥ ተዋህበት።
ናብ ቤተ መቅደስ ምስ ኣምጽእዋ ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ንካህናት ኣኪቡ ብዛዕባ መግባ ኽመክር ከሎ ቅዱስ ፋኑኤል መልኣኽ ኅብስት ሰማያውን ጽዋዕ ሰማያውን ኂዙ ተራእየ።
ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ንኣይ ዝመጸ እዩ ኢሉ ክቕበል እንተ ተንሥኦ ንላዕሊ ረኃቐ፣ ቀጺሉ ናቱ ሰዓቢ ስምዖን’ውን ኽቅበል ደልዩ እንተ ቐረበ ንእኡ ኸኣ ረኃቖ። ጥበብ እግዚአብሔር ኣይፍለጥን’ዩ፡ ምናልባት ናብዛ ሕፃን ዝመጸ ሃብቲ ከይከውን ኢሎም ንበይና ገዲፎማ ድኅር እንተበሉ፣ ንሳ ድማ ደድኅሪ ኣደኣ ክትስዕብ ከላ፡ ብፍጥነት እቲ መልኣኽ ወሪዱ ሓደ ክንፉ ኣንጺፉ ንሓደ ክንፉ ጋሪዱ ክንዲ ቁመት ሰብኣይ ዝኣክል ካብ ምድሪ ክብ ኣቢሉ መጊብዋ ዓረገ። እምበኣር እዚ ፍቓድ እግዚኣብሔር እዩ ኢሎም ብ 3 ታኅሣሥ ናብ ቤተ መቅደስ ኣእተዉዋ። (ቅዳሴ ማርያም ቍ. 38-44) ነዚ ንምኽባር ዓመት መጸ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ኣቦኣን ኣደኣን ሠለስተ ዓመት ጸኒሓ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ 3 ታኅሣሥ ‘በአታ ለማርያም’ እናበለት ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተብዕሎ።
ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ ጀሚራ ኣብ ቤተ መቅደስ መላእኽቲ ዘምጽኡላ ሰማያዊ ኅብስት እናተመገበት፡ ሰማያዊ መስተ እናሰተየት፡ ሓርን ወርቅን ኣሰማሚዓ እናፈተለት ብሞግዚትነት መላእኽቲ ዓበየት፣ እምበር ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ከምተን ቅድሜኣን ድኅሬኣን ዝኾና ሕፃናትን ኣዋልድን ብስሓቅን ጸወታን ዝዓበየት ኣይኮነትን። ቅዱስ ያሬድ፡ ‘ከመዝ ነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመጽኡ ወትረ ሲሳየኪ፡ ከመዝ ነበርኪ ዓሠርተ ወክልኤተ ዓመተ እንዘ ትትናዘዚ እምኀበ መላእክት’ (ኣንቀጸ ብርሃን) ኢሉ ከምዝጠቐሶ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብቅድስናን ብንጽሕናን እናኣገልገለት ኣብ ቤተ መቅደስ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ምስ ተቐመጠት፡ ልማድ ኣንስቲ ዘይብላ ንጽሕተ ንጹሓን ክነሳ ኣይሁድ ብመንቀኝነት ተላዒሎም ‘ንቤተ መቅደስና ከይተርክሰልና ትውፃእ’ በሉ።
ካህን ዘካርያስ ንእግዚኣብሔር ብጸሎት ሓቲቱ ብዝረኸቦ ጥበብ መሠረት ብሠለስተ መሰኻኽር እቲ ዘመዳ ዝኾነ ኣረጋዊ ዮሴፍ ምእንቲ ክሕልዋ ብሓደራ ተዋህበት። ሀብተ ንጽሕና ዝነበሮ ዮሴፍ ሓላዊኣ ኮይኑ ምስኣ እንተነበረ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ኣብ ሕልና ኣምላኽ ሰለዝነበረት፡ ንሓደ ኣካል ካብ ቅድስት ሥላሴ ንኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ብድንግልና ፀኒሳ ብድንግልና ከም እትወልዶ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣበሠራ፣ ንሳ ድማ ብእምነት ስለዝተቐበለቶ ኣደ ኣምላኽ ክትከውን በቕዐት። (ሉቃ. 1፡26-28)
ቅድስት ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር እምንቲ መዝገብ ምሥጢር ኮነት፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ሠልጢኑ ዝነበረ ገዛኢ ጸልማት ዲያብሎስ ዝስዕር ኣማናዊ ብርሃን ፀሓየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበላ ኣማናዊት ምሥራቅ ምኽንያት ድኅነትና ብምዃና ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ሥፍራ ኣለዋ። ድኅሪ ስም ሥላሴ ቀጺልና ናታ ስም ምጽዋዕ፡ ድኅሪ ንፈጣሪ ዝቐርብ ምስጋና ኣስዒብና ንኣና ምምስጋን፣ ናይ ወዳን ፈጣሪኣን ለውሃትን ተኣምርን ድኅሪ ምዝራብ ናታ ፍቕርን ተኣምርን ምዝራብ ልሙድ እዩ።
ስለዚ ነዛ እግዚኣብሔር ዘኽበራን ዝኃረያን (መዝ. 132፡13-14) ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ በዓላ (በአታ ማርያም 3 ታኅሣሥ) እንተኣኽበርናን ብስማ እንተ ተማኅፀንናን ሰማያዊ ዓስቢ፡ በረከተ ሥጋ ወነፍስ ዘውህብ እዩ’ሞ ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ክንከውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ጸሎታን በረከታን ምሕረት ፍቁር ወልዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን።

11/12/2025
11/12/2025
11/12/2025
11/12/2025
11/12/2025
11/12/2025
11/12/2025
11/12/2025

Adresse

Mannheim

Öffnungszeiten

Montag 09:00 - 21:00
Dienstag 09:00 - 21:00
Mittwoch 09:00 - 21:00
Donnerstag 09:00 - 21:00
Freitag 09:00 - 21:00
Samstag 09:00 - 21:00
Sonntag 09:00 - 21:00

Telefon

+4915214603086

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von እምባ ሓብሊ Emba habli erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Die Organisation Kontaktieren

Nachricht an እምባ ሓብሊ Emba habli senden:

Teilen

Kategorie